ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል

ነገረ ቅዱሳን December 9, 2013

Filed under: ነገረ ማርያም — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 11:52 am

ነገረ ቅዱሳን.

ድንግል ማርያም ብምስላ

፳ መሶበ ወርቅ ኤልያስ

131594_464836070224728_1305800218_o

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኢልያስ “,,,,,,,ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኪልዓው መጺኡ ኮፍ በለ። ሞት ተመንዩ ድማ ኦ እግዚኣብሔር  ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን ኢየ እሞ ሕጂ ይኣኽለኒ ንነፍሰይ ውሰዳ በለ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኪሊዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ መልኣኽ ነቕኒቑ ተንስእ እሞ ብላዕ በሎ። እንተ ጠመተ ከኣ እንሆ ዝተሰንከተ እንጌራን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር መሊሱ ነዊሕ መገዲ ኣለካ እሞ ተንሲእካ ብላዕ በሎ። ንሱ ከኣ ተንሲኡ በልዐን ሰተይን እሞ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ክሳዕ ሆሬብ ከረን እግዚኣብሔር ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ከደ” (1ነገ፲፱፡፩-፰/19፡1-8)። ኤልያስ፡ ኤልዛቤል ስለ ዝፍርሃቶ ኣብ ዝሃደመሉ እዋን ዝብላዕ ኣይተማልአን ነበረ። በዚ ምኽንያት ጠምዩ፡ ጸሚኡ፡ ደኺሙ’ውን ደቀሰ። ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ብምዃኑ ብኢድ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተተንከፈ። ተስፋ ቆሪጹ ንሞት ኣብ ዝተመነየሉ ኣብታ ሰዓት እቲኣ እቲ መልኣኽ ረድኦ። ተምዩ ስለ ዝነበረ እንጌራ ብመሶብ፡ ማይ ብሳርማ ኣቕረበሉ። እምነት እንተኣልዩ ነቲ ዝብላዕን ዝስተን ዘዳሉ እግዚኣብሔር ኢዩ። ኤልያስ ሰብ እንተሰጎጎ ዝሕልዎ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኣይተፈለዮን፡ ዝበልዖን ዝሰትዮን ከኣ ኣቕረበሉ ክበልዕ’ውን ኣዘዞ፡ በሊዑ’ውን ደቀሰ። እቲ ናይ መጀመርያ ብልዒ ንኤልያስ ከም ዘድከሞ ዝረኣየ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ዘበርትዖ መግቢ ካልኣይ ግዜ ነቕኒቑ መገቦ። እቲ መገዲ ርሑቕ ምዃኑ’ውን ነገሮ። ካልእ ሓይሊ ከየድለዮ በቲ ሓይሊ ብልዒ  ጥራይ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ተጓዒዙ እምባ ሆሬብ በጽሐ። ሆሬብ እግዚኣብሔር ብሃልሃልታ  ሓዊ ተመሲሉ ንሙሴ ዝተገልጸሉ ቅዱስ ከረን ኢዩ። እግዚኣብሔር ንሙሴ “ናብ’ዚ ኣይትቕረብ እዛ ንስኻ ደው ዝበልካላ ስፍራ ዝተቐደሰት መሬት ኢያ እሞ ኣሳእንካ ካብ እግርኻ ኣውጽእ” ኢልዎ ነይሩ ኢዩ(ዘጽ፫፡፭/3፡5, ግ.ሓዋ፯፡፴፫/7፡33)።

ኤልያስ ካልኣይ ብዝበልዖ ብልዒ ሓይሊ ረኺቡ ክሳዕ ከረን እግዚኣብሔር ከም ዝተጓዓዘ ወዲ ሰብ’ውን ካልኣይ ብዝተዋህቦ ናይ ሕይወት ምግቢ ብስግኡን ደሙን ሓይሊ ረኺቡ ክሳዕ መንግስተ ሰማያት ይጓዓዝ። “ንስኻትኩም ግና ከረን ጽዮን ናብታ ከተማ ሕያው እግዚኣብሔር በጺሕኩም ኢኹም”(እብ፲፪፡፳፪/12፡22)። ከረን ጽዮን፡ ከተማ እግዚኣብሔር ዝተባህለት መንግስተ ሰማያት ኢያ። ብኻልእ ወገን’ውን ከረን ጽዮን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ ምኽንያቱ ኣብ ከረን/እምባ/ ዘሎ ከተማ ከምዘይስወር ብግልጺ’ውን ከምዝረአ ጎይታ’ውን ብድንግል ማርያም ተገሊጹ ኢዩ እሞ ከረን ጽዮን ትበሃል። እግዚኣብሔር ወልድ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ንማሕጸና/ንከርሳ/ ከተምኡ ገይርዎ ኢዩ’ሞ ናይ እግዚኣብሔር ከተማ ትበሃል።

ኤልያስ ናይ ኣዳም፡ መሶብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብልዒ ናይ ጎይታና ምሳሌታት ኢዮም። ምኽንያቱ ናይ ሕይወት እንጌራ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ብመሶብ ካብ ዝተመሰለት ድንግል ማርያም ኢዩ። ጎይታ “ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕያው እንጌራ ኣነ’የ ሰብ ካብዚ እንጌራ እንተበልዐ ንዘለኣለም ይነብር። ኣነ’ውን ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ ስጋይ ኢዩ” ኢሉ ኢዩ(ዮሓ፮፡፶፩/6፡51)። ብምግበ ስጋ ደኺምና ብሓጢኣት ዝደቀስና ኩሉና’ውን ኣብ ኤፌ፭፡፲፬/5፡14 “ኣታ ዝደቀስካ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታን ተንስእ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ ኢዩ” ከምዝተባህለ ካብ ድቃስ ሓጢኣትና ነቒሕናን መንፈሳዊ ሓይሊ ንዝህበናን ናይ ሕይወት ብርሃን ንዝኾነልናን ንናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ተመጊብና ጉዕዞና ናብ መንግስተ ሰማያት ንግበር። ኣብ መገዲ ዝተረፉ ብዙሓት ኢዮም እሞ ጉዕዞ ድሕሪ ምጅማርና ናይ ስጋ ድልየትና እንዳ ዓንቀፈና ነቲ ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ምጽዋት፡ ቅዳሴ፡ ማኅሌትን ሰዓታትን  ገዲፍና ናብ ካልእ ኣይነድሕርሕር፡ ጉዕዞና’ውን ኣይነቋርጽ፡ “ብዛዕባ ስጋ ምሕሳብ ሞት ኢዩ፡ ባዛዕባ መንፈስ ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን ኢዩ”(ሮሜ፰፡፮/8፡6)።

ስለዚ ኣቦና ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ ኢየ ንዝበለ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝወለደትልና ቅድስት ድንግል ማርያም “ዝተሰወረ መና ዘለኪ ንጹሕ መሶበ ወርቅ ንስኺ ኢኺ፡ መና’ውን ካብ ሰማይ ዝወረደን ንዓለም ኩሉ ሕይወት ዝዕድልን ሕብስቲ ኢዩ” ብምባል ወዲስዋ ኢዩ(ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም)

ይቕጽል,,,,,,,,,,,,,,,

ይትባረክኣምላከኣበዊነ!!!

 

 

 

Leave a comment