ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል

ነገረ ቅዱሳን December 27, 2013

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 4:42 pm

ነገረ ቅዱሳን

“ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ”

      16     

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ዘመኑ እስራኤል ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ኣብ ትሕቲ ርኽሰትን መገዲ ኣሕዛብን ዝኸድሉ ዝነበሩ ኢዩ። እቶም እግዚኣብሔር                 “ሕዝበይ” እንዳ በለ ዝጸውዖም እስራኤላውያን ንሓድሕዶም ዝነብሮም ፍቕሪ ብምጥፍኦም ብሓደ ምሕደራን ብሓደ ንጉስን ምጉሳይ ገዲፎም ኣብ ክልተ ዝተኸፍልሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። በዚ ዘመን እዚ ኢዩ እምበኣር እቲ ሓያል፡ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ መልኣኽ፡ መጋቤ ሓድሽ ዝተሰምየ ቅዱስ ገብርኤል ብረድኤት ናብቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንእግዚኣብሔር ኣኽቢሮም ነቲ ጨካን ንጉስ ናቡከደነፆር ብጽንዓቶም ተደኒቑ ነቲ መልኣኹ ልኢኹ ዘድሓኖም ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘመስገን ዝገበረ። ናይ ቅዱስ ገብርኤል ውዕለት ከምቶም ካልኦት ቅዱሳን መላእክት ብሓደ ግዜ ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ካብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ እቶን ሓዊ ኣትዩ ነቶም ናይ ሃይማኖት ሓርበኛታት ናይ ቅዱስ ስነ ምግባር ኣርኣያ ዝኾኑ ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ዝገበሮ ዘድንቕ ናይ ተራዳእነት ተግባር ክንርኢ ኢና። ቅድሚኡ ግና ኣቐዲምና ስለ ቅዱስ ገብርኤል ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ክንጠቅስ። ቅዱስ ገብርኤል ብቐዳምነት ዝጽውዓሉ ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ክሕደት ዝተላዕለሉ ዓለመ መላእክት ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ንቅዱሳን መላእኽቲ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ—-ሰንበት ምስ ፈጠሮም ካብ ኣዒንቶም ተሰወረ። ዲያብሎስ ዝተሰምየ ሳጥናኤል ኣብ ዙርይኡ ጠመተ፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ቁሊሕ በለ፡ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ብዓይኒ ልቦንኡ ከስተብህሎ ስለ ዘይከኣለ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን መላእክት “ኣነ ኢየ ፈጢረኩም ንዓይ ኣመስግኑ” ክብል ተዛረበ። ነዚ ዝሰምዑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዘረብኡ ኣዝዮም ተገረሙ፡ ገሊኦም ብሓቂ ንሱ ኢዩ ፈጢሩና ኢሎም ኣመንዎ፡ ገሊኦም’ውን ሓሳባቶም ኣብ ክልተ ኾነ ተጠራጠሩ፡ እቲ ሓያል ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ግና ካብ ማእከል ቅዱሳን መላእኽቲ ብድድ በለ እሞ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ንቁም በብህላዌ እስከ ንኣምር አምላክነ” ብምባል ነቶም ብሓሳባት ሳጥናኤል ተሃዊኾም ዝነበሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣረጋግኦም። ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ልዕሊ ማንም መልኣኽ ነገረ ተዋህዶ ዝሰበኸ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘበሰረ ብስራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ኢዩ(ሉቃ፩፡፳፮-፴፰/1፡26-38)። ብዝገበሮ ተራዳእነት፡ ኣማላድነትን ናይ ምድሓን ነገራት ኣብ ብሉይ ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣዝዩ ዓቢ ክብሪ ዝሓዘ መልኣኽ ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ምስጢራት ዝገልጽ፡ ኣብ ሽግር ዘበርትዕ፡ ኣብ መከራ ካብ ሞት ዘናግፍ፡ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ዝገብር ሓይል ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኢዩ ቅዱስ ገብርኤል(ዳኒ፫፡፳፬-፳፯/3፡24-27, ፰፡፲፭/8፡15, ፱፡፳፩-፳፪/9፡21-22)።

ናብ ኣርእስትና ምልስ እንተ ኢልና፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘለና፡ እስራኤል ኣብ ርኽሰት ወዲቖም ከለዉ ንኣምላኽ ስለ ዘቖጥዕዎ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእቶም ክወድቁ በቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ክቕጽዑ ንኣሕዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ዘመን እቲ ናይ ባቢሎን ንጉስ ዝነበረ ንጉስ ናቡከደነፆር  ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  ንቅድስት ሃገር እስራኤል ክወርር ተበገሰ፡ ኣምላኽ ድማ ንብዘሎ ሰብን ንብረትን ናይ ቤተ መቕደስ ከይተረፈ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ ንብዙሓት እስርኤላውያን ቀቲሉ ንብረቶም ዘሪፉ ማሪኹ ድማ ናብ ዓዱ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። እስራኤላውያን ዓዶም ገዲፎም ተሰደዱ፡ ኣብ ቤቶም ሞይቆም ዝነብሩ ዝነብሩ፡ ስርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽሙላ ቤተ መቕደስ ገዲፎም ናብታ ብኣምልኾ ጣዖት ዝመልአት ባቢሎን ኣምርሑ። ብስጋዊ ናብራ ኣዝዩ ተረሮም ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ተወሰኾም፡ ስርዓተ ኣምልኾ ተነፊግዎም ብሓይሊ ናብ ጣዖታት ብግንባሮም ተደፊኦም ክሰግዱ ጀመሩ፡ እዞም ስለስተ መንእሰያት ዳኒኤል ዝረብዓዮም ግና ከምኣቶም ኮይኖም ኣይተረኽቡን፡ ኣብ ምድሪ ስደት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ከለዉ ንኣምላኽ ኣይከሓዱን ስሙ ንምጽዋዕ ኣይሓፈሩን፡ ንመከራን ንሞት’ውን ኣይፈርሑን፡ ጸንዑ ድኣ።

ንጉስ ናቡከደነፆር ንእስራኤላውያን ድሕሪ ኣብ ባቢሎን  ድሕሪ ምእታዉ ኣሽፈናዝ ዝበሃል ሓለቓ ሽማሙንቱ ጸዊዑ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን ሓርዩ መንእሰይ ዝኾነ ከምጽኣሉ ኣዘዞ። እቲ ዝነበረ መምዘኒታት ከኣ፦

vናይ ነገስታት ዘርኢ

vዝኾኑ ምልኩዓት

vኣብ ሰብነቶም ጉድለት ዘይብሎም

vብኹሉ ጥበብ መስተውዓልቲ

vምሁራት(ንሰባት ክምህሩ ዝኽእሉ)

ዝብል ነበረ። ነዚ ኹሉ መምዘኒታት ኣማሊኦም ዝተረኽቡ ድማ እዞም ሰለስተ መንእሰያት ራብዓዮም ድማ ዳኒኤል ነበሩ(ዳኒ፩፡፫-፬/1፡3-4)። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ናይ ባቢሎን ትምህርትን ቋንቋን ክመሃሩ ይደሊ ነበረ። እዚ ከኣ እስራኤላዊ ባህልን ልምድን ገዲፎም፡ ኣእምርኦምን ሓሳባቶምን ብናይ ባቢሎናውያን ምእንቲ ክምላእ ነቲ ዝነበሮም እምነትን ባህልን ክልውጡ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብቲ “ናይ ከለዳውያን ናይ ትምህርቲ ኮለጅ” ብምእታው ክፍጸም ከም ዘለዎ ንጉስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እቲ ነዚ መዝነት እዚ ዝተዋህቦ በዓል ስልጣን ነዞም መንእሰያት ናብቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ወሰዶም፡ ነቲ ዝነበረ ኣስማቶም ገዲፉ ድማ ብናይ ዓዱ ባህልን ልምድን ኣስማት ቀየረሎም፡፡

ናይ ቀደም ስም   ትርጉም                   ሓድሽ ስም                          ትርጉም

vዳኒኤልእግዚኣብሔር ዳኛ ኢዩ——ብልጣሶር(ናይ በዓል ኣገልጋሊ፦ በዓል ናይ ባቢሎናውያን ኣምላኽ ኢሎም ዝኣምንዎ ጣዖት ኢዩ)

vኣናንያ—- እግዚኣብሔር ርሕሩሕ መሓርን ኢዩ——-ሲድራቅ(ብጸሓይ ኣምላኽ ዝተገለጸ)

vሚሳኤል-ንእግዚኣብሔር ዝመስል—- ሚሳቅ(ብሻቅ ወገን–ሻቅ ናይ ባቢሎናውያን ናይ ጽባቐን መሬትን ኣምላኽ

vኣዛርያ–እግዚኣብሔር ይረድኦ ኢዩ——-አብድናጎ(ናይ ኣምላኽ እሳት ኣገልጋሊ ሄጎ ናይ ባቢሎናውያን ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ኢያ)።

 እንሆ እቲ ሓለቓ ሽማሙንቲ መንነት እስራኤላውያን ንምቕያር ድሮ ብስም ምውጻእ ኢዩ ጀሚርዎ። ስዒቡ ዝመጸ ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ኣትዮም ብሓባር ምስቶም ተማሃሮ ክምገቡ ነበረ። እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ተስፋ ዝተነብረሎም ብምንባሮም መግቦምን መስተኦም ካብቲ ናይ ንጉስ ነበረ፡ እቲ ናይ ምግብና ሓላፊ ድማ እቲ ብንጉስ ዝተኣዘዘ መግቢን ክሰትይዎ ዘለዎም መስተን ነገሮም። እንተኾነ ካብቲ ናይ ንጉስ መግቢ ምብላዕ ካብ መስትኡ ምስታይን ንሰብነቶም ዘርክስ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦም እንሆ ብልቦም ካብቲ መግቢ በሊዖም ምእንቲ ከይረኽሱ ብእምነት ኣበዩ። እንሆ ነቲ ሓለቓ ናይ ምግቢ “እንበልዖ ኣሕምልትን እንሰትዮ ማይን ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ  ተዓዘበና፡ ድሓር ንዓናን ነቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ርኣየና፡ ሽዑ ንባሮትካ ከምቲ  ዝመስለካ ግበረና” ክብሉ ብምእነት ተዛረብዎ ከምቲ ዝበልዎ ድማ ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ኣዝዮም ጸቢቖምን መልኪዖምን ተረኽቡ(ዳኒ፩፡፰-፲፮/1፡ 8-16)። በዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቕኦም ዓቢ ዝኾነ ሞጎስ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝረኸቡ ዝተረፈ ግዜኦም ሰለስተ ዓመት ናይ ኮለጅ ዘመን ሓምሊ እንዳ በልዑ ማይ እንዳ ሰተዩ ሓለፍዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብጥበቦምን ብትምህርቶምን ካብ ኩሎም እቶም ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ምስኣቶም ዝተማህሩ ዝበለጹ ኮይኖም ተረኽቡ።

እዞም መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ተረኽቡ፡ ንንጉስ ድማ ኣብ ኩሉ ዕይኡ ከምቲ ዝደልዮ ገይሮም ይሕግዝዎን ኣብ ኩሉ ዕይኦም ድማ ንጡፋትን ብልህታትን ነበሩ። ዝተረፉ እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ክዋፈሩ፡ ምስ ኣሕዛብ ክሓብሩ ከለዉ ንሳቶም ግና ከምቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ጣዕሚ ንጉስ ፎርዖን ገዲፉ ምስ ህዝቡ ብሕጊ ኣምላኽ እንዳ ተመርሐ ምንባር ዝመረጸ፡ ንሳቶም’ውን  ናብራ ኣሕዛብ ኣብ ድሕነት ዘብጽሕ ከም ዘይኮነ ተረዲኦም ብፍጹም እምነት ካብ ኩሉ እቲ ዘርክስ ነገርን ካብ ኣምልኾ ጣዖታትን ተሓለወ።

ናይ ንጉስ መግቢ ስለምንታይ ምብላዕ ኣበዩ፧

vሽሕ እኳ ነቢይ ዳኒኤልን ሰለስተ መንእሰያትን ኣብ ቤት መንግስት ብጽቡቕ ናብራ እንተ ነበሩ ወገናቶም ኣብ ኣዝዩ ጨኳኒ ዝኾነ ሕይወት ከም ዘለዉ ፈሊጦም ኣብቲ ናቶም ናይ ጽዋዕ መከራ ምእንቲ ተሳተፍቲ ክኾኑ ናይ ንጉስ ጥዑም መባልዕ ካብ ምብላዕ ተቐጠቡ፡ ኣይንበልዕን ከኣ በሉ። ነቢይ ነህምያ ዕንወት ኢየሩሳሌምን ናይ ወገናቱ መከራን ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ንሓያሎ መዓልቲ  እንዳ በኸየ ብሓዘን ተቐመጠ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ብጾምን ብጸሎትን ነቒሑ ነበረ(ነህ፩፡፬/1፡4)። እዚ ዝገበረሉ ግዜ ግና ኣብ ትሕቲ ናይ ፋርስ ንጉስ ኮይኑ ዘድልዩ ኩሉ እንዳ ረኸበ ከሎ ኢዩ፡ እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ወገናቱ ክጭነቑ ክጭነቑ፡ ብሓዘኖም’ውን ክሓዝን ስለ ዝግብኦ ነህምያ ከምኡ ገበረ፡ ከመይ  ኣብ ቤት መንግስቲ ምንባር ማለት ዝወደቑን ዝተዋረዱን ምርሳዕ ማለት ስለ ዘይኮነ። ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ሓደ ካብቲ ቅዱሳን ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ዝገበሮም እዚ ኢዩ። ስለ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሕነት ጥራሕ ዘይኮነ ስለ ናይ ሓጥኣን ድሕነት ክብሉ ዘመን ብምሉኡ ናብ ኣምላኽ ለሚኖም፡ ብጾምን ብጸሎትን ንስግኦም ኣድኪሞም ኢዮም።

vካብቲ ብሓጎስን ብጽጋብን ዝተማሃርዎ ትምህርቲ እቲ ብመከራን ብሕሱም ናብራን ዝተመሃርዎ ዝያዳ ስለ ዝጠቕሞም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ብጾምን ብጸሎትን ምስ ዝኸውን ንናይ ስጋ ፈተና ኣድኪሙ ንነብሲ ስንቂ ይኸውን። እንተዘይኮነ ግን  ከም ተራ ትምህርቲ ንፍልጠት እምበር ሕይወት፡ ምጽናዕ እምበር ተግባር ኣይከውንን።

vመከራ ኣብ ዝበሓሉ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ይበዝሕ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓበየ”(ሮሜ፭፡፳/5፡20) ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ማለት ሓጢኣተኛታት ኣብ ዝበዝሕሉ፡ መከራን ስደትን ፈተናን ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ኣብ ዝበዝሕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። በዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ብዙሕ መከራ ይመጽእ፡ በቲ ዝመጸ መከራ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ብዙሕ ጸጋ ይረኽቡ። ኣቦና ኖህ ላግጽን ጸርፍን ናይቶም ኣብ ኣዝዩ ክፉእ ዝኾነ ርኽሰት ወዲቑ ዝነበሩ ናይ ዘመኑ ሰባት ብሃይማኖት ጸኒዑ ስለ ዝተረኽበ “ጻድቕ” ተባህለ(ዘፍ፮፡፰/6፡8)።

ኣብ ናይ ባቢሎን ቤተ መንግስቲ ዝነበረ መግቢ  ብሕጊ ሙሴ ዘይተፈቕደ ኢዩ። ስለዚ ኢዮም ከኣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ዘይተፈቕደሎም መግቢ ገዲፎም ንዝተፈቐደሎምን ዝተኣዘዘዎን መግቢ ክበልዑ ዝወሰኑ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ኩሉ ድማ ክውሰኸልኩም ኢዩ” ዝብል ናይ ወንጌል ሕጊ ተግባራዊ ገይሮሞ ሓለፉ(ማቴ፮፡፴፫/6፡33)።

vእዞም ሰለስተ መንእሰያት ዋላ እኳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ይንበሩ እምበር ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኢዮም። ስለዚ ጣዕሚ መግቢ ናይ ንጉስ ኣብ ምርኮ ምህላዎም ከየረስዖም ሓሰቡ። እስራኤል ኣብ ምርኮ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ካብ መቕዘፍቲ ናይቲ መልኣኽ ዝደሓንሉ እንሆ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዞም ነቲ ተባዕታይ በጊዕ ሓሪዶም ኣብ ልዳቶም ደም ምስ ገበሩ ኢዩ። እንተኾነ ነቲ ስጋ ጥራሕ ብልዕዎ ተባሂሎም ኣይተኣዘዙን እንተኾነ ግን ነቲ ስጋ ምስ መሪር ሓምሊ እምበር(ዘጽ፲፪፡፩-፲፬/12፡1-14)። በጊዕ ናይ ናጽነቶም እቲ መሪር ሓምሊ ድማ ናይ መከራ ዘመኖም ምእንቲ ክዝክሩ ኢዩ ነይሩ። እዞም ስለስተ መንእሰያት’ውን ከምኡ ገበሩ፡ ጣዕሚ ናይ ንጉስ መግቢ ኣበዩ፡ ብእምነት ስለ ዝገበርዎ ከኣ ገለ እኳ ኣይጎዶሎምን።

ስለስተ መንእሰያትን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ

ሰለስተ መንእሰያትን ቅዱስ ገብርኤልን ዘረኣኸቦም ቅዱስ ገብርኤል ብረድኢት ሰለስተ መንእሰያት ድማ ብእምነቶም ምኽንያት ኣብ ሓዊ ስለ ዝተደርበዩ ኢዩ። እዞም ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ብኹሉ ኣካይድኦምን ጥበቦምን ዝወዳደሮም ዘይነበረ መንፈሳውያን ሰባት ብምንባሮም እቶም ሹማምንቲ እታ ሃገር ብኣካይድኦምን ምሩኻት ክንሶም ብዝረኸብዎ ልዕልናን ኣዝዮም ቀንእሎም። ንንጉስ ድማ ምስሊ ወርቂ ከዳሉ ነቲ ዘቖሞ ምስሊ ዘይሰገደ ድማ ናብ እቶን  ሓዊ ክድርበ ኣማኸርዎ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ ቀልጢፉ ድማ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ። ብዙሓት ሰባት ንትእዛዙ ፈሪሖም ክሰግዱ ከለዉ እዞም መንእሰያት ግና “ኦ ንጉስ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ግሁር እቶን ሓዊ ከናግፈና ይኽእል ኢዩ፡ ንሱ ከናግፈና እንተ ዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከምዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ’ውን ከምዘይንሰግደሉ ፍለጥ” በልዎም(ዳኒ፫፡፲፯/3፡17)። እንሆ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ጥራሕ ናብቲ ግሁር ሓዊ ተደርበዩ። እቲ ግሁር ሓዊ ኣዝዩ ብርቱዕ ረስኒ ስለ ዝነበሮ ነቶም ብጉልቦቶም ተመሪጾም ነቶም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእስሩ ናብ እቶን ሓዊ ዝደርበዩ ሰባት በቲ ረስኒ ከም ዝሞቱ ኮኑ። ንጉስን ሹማሙንቱን በቲ ዝተገብረ ነገር ብፍጹም ሓዊ ክበልዖም ኢዩ ብዝብል እምነት ናብ ቤቶም ተመልሱ። እንተኾነ እቲ ኣብ ዓለመ መላእክት ንቅዱሳን መልእክት ዘረጋግአ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ኣብ ማእከል እቲ እቶን ሓዊ ካብ ሰማይ ብፍጥነት መጺኡ ክመላለስ ተራእየ። እንዳ ጸለዩ ኣብ እቶን ሓዊ ዝጸንሑ መንእሰያት ቅዱስ መልኣኽ ካብ ኣምላኽ ተላኢኹ ከጻናንዖም ተረእየ። ነዚ ዝረኣየ ንጉስ ኣዝዩ እንዳ ተገረመ “እንሆ ኣብ ማእከል ሓዊ ኣርባዕቱ ፍቱሓት ሰባት ክመላለሱ ይርኢ ኣለኹ” በለ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ኣብድናጎ ኣቱም ባሮት እቲ ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ” እንዳ በለ ጨርሐ(ዳኒ፫፡፳፮/3፡26)። ብረድኤት ቅዱስ ገብርኤል  ተሓልዮም ዝጸንሑ ናይ እምነት ሓርበኛታት ዝኾኑ ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ካብቲ ዝነበርዎ እቶን ሓዊ ወጹ። እቲ ዘደንቕ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣሕዛብ ግልጺ ኮይኑ ተራእየ፡ ምሕራርስ ይትረፍ ጸጉሪ ርእሶም እውን ጨና ሓዊ ኣይነበሮን። በዚ ዝተደነቐ ንጉስ  ናቡከደነፆር ድማ ኩሉ ሰብ ንኣምላኽ እዞም ቅዱሳን ግሰግድ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ። ነቶም ብሓሶት ከሲሶም ናብ እቶን ሓዊ ከም ዝድርበዩ ዝገበርዎም ድማ ናብቲ እቶን ከም ዝኣትዉ ኮኑ።

እምበርከስ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሕይወትና ዓቢ እጃም ከም ዘለዎም ፈሊጥና፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብመላእኽቱ ክሕልወና ኩሉ ግዜ ብትእዛዛቱ ክንከይድ ይግባእ። ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ኣብ ምድሪ ስደት እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ከለዉ ንሞት ከይፈርሑ፡ ጣዕሚ መቐረትን ናይ ንጉስ መግቢ ከየጋገዮም ንርኽሰት ፈንፊኖም ብሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝኸዱ፡ ብእምነቶም ድማ ክሳዕ ሞት ፍቓደኛታት ኮይኖም ብጽንዓት ስለ ዝወጹ ቅዱስ እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ዘናገፎም። ሎሚ’ውን ብፍላይ እዞም ኣብ ስደት እንነብር ዘለና ካብዚ ጽንዓት ናይዞም መንእሰያት ተማሂርና ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ ሕይወት ፈተና’ውን እንተኾነ ጽኑዓት ክንከውን ይግብእ። ጣዕሚ ዓለም፡ ሓይሊን ም ፍርራሕን ዓላውያንን ከሓድያንን ከይፈራሕና፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ልብና ገይርና ክንጓዓዝ፡ ናይ ሃይማኖት ሰባት ክንከውን ብግዜ ሓጎስ ይዂን ሓዘን ኣብ ኩሉ መድረኽ ሕይወት እሙናት ክንከውን ይግባእ። እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ስደትና ኣብ ሃይማኖትና ጠጠው እንብል፡ ብግብሪ ጽድቂ ዝተሸለምና፡ ኣብ ሕጊ ኣቦታትና ዝጸናዕና ክንከውን ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹን።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘለኣለም ኣይፈለየና። ኣሜን!!!   

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                              

 

ነገረ ቅዱሳን December 20, 2013

Filed under: Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 12:00 pm

ነገረ ቅዱሳን.

A

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ኣብኦም እስጢፋኖስ ኣዲኦም ከኣ ኣመተማርያም ይበሃሉ። ስድራቤቶም  ንኽማሃሩ ናብ መምህር ወሰድዎም ኣብ መጨረሽታ ከኣ ኣብ ደብረ መንኩል ዝበሃል ቦታ ኣትዮም ተማህሩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ስርዓተ ምንኩስና ኣብቲ ገዳም ተፈጸመሎም። ኣብቲ ገዳም ኣትዮም ንዓቢን ንንእሽቶን እንዳ ተኣዘዙ ብፍጹም ትሕትና ብኹሉ ዓይነት ኣገልግሎት ኣገልገሉ። ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ካብ ውዳሴ ኮንቱ ርሒቖም ብብሕትውና ኣብ ጽምዋ ቦታ ክነብረ ተበገሱ። በዚ ኸኣ ጉዕዝኦም ናብዚ ሕጂ ብስሞም ተደኲኑ ዘሎ ገዳም ዋልድባ ተበገሱ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብቲ ብዕብየቱ ይኹን ብንውሓቱ ፍሉጥ ዝኾነ ፈለግ ተከዘ በጽሑ። ፈለግ ተከዘ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ማይ መሊኡ ጸንሖም። ንፈለግ ተከዘ ብትእምርተ መስቀል ባሪኾም ብሓደ ኢዶም መብራህቲ በቲ ሓደ ኢዶም ከኣ መጽሓፍ ሒዞም መብራህቲ ከይጠፍአ ሒዘሞ ዝነበሩ መጽሓፍ ከኣ ከይጠልቀየ ሰገርዎ። ኣብ ዋልድባ ምስ በጽሑ ከኣ ጎይታ “ንበር ዝየ- ኣብዚ ተቐመጥ” በሎም። ገዳም ገዲሞም  ስርዓተ ምንኩስና እንዳ ኣስተምሃሩ ተቐመጡ።

ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያም  ካብ ተከዘ ናብዚ ቦታ እዚ ዘምጽኡ  ኣባ  ሳሙኤል  ዘዋልድባ ኢዮም። ነዚ ኣብ ዝደግምሉ ግዜ ከኣ ካብ መሬት ብተኣምር ሓፍ ይብሉ ነበሩ። ሓደ ግዜ ነዚ ደጊሞም ማይ ክባርኹ ከለዉ እቲ ማይ ሕብስተ ሕይወት ኮነሎም ምስ ድቂ መዛሙርቶም ከኣ ተመገቡ “ሶበ ኣተቦ ለማይ በቅዳሴኪ እንዘ ይጸሊ፡ ረስዮ ኅብስተ ጽጌ ሃይማኖት ሳሙኤል ዘሐቅለ ዋሊ” ከም ዝበለ ደራሲ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ፍቕራ መግለጺ ዝኾነ ጻዕዳ ዕጣንን ዕንቁን ሃበቶም፡ ቅዳሴን ውዳሴን ብሓንሳብ ዝደገምካ ኢኹ እሞ ኣብታ ተስፋ እትገብረላ መካነ ሕይወት ክትኣቱ ኢኻ ኢላ ተስፋ ሃበቶም።

ግዜ ዕረፍቶም ምስ ኣኻለ ጎይታ ብስሓተ ኣዕላፍ ተገሊጹ ብስምካ ዝተማሕጸነ ዜና ገድልኻ ዝጸሓፈ፡ ዘንበበ፡ ዝመሃረ ክምሕረልካ ኢየ ኣብዚ ቦታ እዚ ንዝነብረ ደቅኻ ድማ ክባርኸልካ ኢየ ኢሎም ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ዝነበሮም ተጋድሎ ወዲኦም ብዙሓት ደቂ ኣፍርዮም በዚ ዕለት እዚ ዓረፋ። ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።

aba samuel zewaldba a s

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

 

 

ነገረ ቅዱሳን December 15, 2013

Filed under: ነገረ ክርስቶስ,Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 4:23 pm

ነገረ ቅዱሳን.

a abr1

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣባ ኣብርሃም ሊቀ ጳጳሳት ሃገሩ ሶርያ ክኸውን ከሎ ኣብ መንበረ ማርቆስ መበል ፷፪(፱፻፸፭–፱፻፸፰/975-978) ሊቀጳጳሳት ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሕዝቢ ብኽፉእ ኣካይዳ ተጸሚዶም ነበሩ  እሞ ክልተ ወይ ሰለስተ  ሰበይቲ ኣብ ቤቱ ዘቐመጠ፡ ዘእተወ ኣብ ሓንቲ ሰበይቲ ይጽናዕ፡ ዝበደለ ይኽሓስ፡ ዝወሰደ ዘበለ ኩሉ ይምለስ እንዳ በለ ኣስተምሃረ፡ ብዙሓት ድማ ናብ ንስሓ ሕይወት ተመልሱ። ናይ ንጉስ  ትእዛዝ ጸሓፊ ግና “እንታይ ክመጻኒ ኢሉ፡ ንሱኸ እንታይ ኢዩ ዝገብረኒ” ኢሉ ዝበደሉ ኩሎም እንዳ ተነስሑ፡ ዝዘረፍዎ እንዳ መለሱ ከለዉ በቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ልቡ ከይተሰብረ ቤቱ ዓጽዩ ካብ ናይ  ምእመናን ሕብረት ተፈልዩ ኣብ ቤቱ ኮፍ በለ፡ እንተደለዮ እውን ሰኣኖ። እንሆ ከኣ ንክልተ ሰዓታት ዝኣክል ኣብ ኣፍ ደጌ ኮይኑ ማዕጾ እንዳ ኳኳሕኩሔ ተጸበየ እንተኾነ ግና ምኽፋት ኣበየ እሞ እንተኾይኑ ረጊሙ ኣውጊዙ ክፈልዮ ኢሉ እንዳ ሓሰበ ከሎ እንሆ እቲ ማዕጾ ናይቲ ገዛ ኣብ ክልተ ተተርተረ “ሰሚኦ ቃለ ግዘት እምልሳንከ ነዳዲ  ተሰጥቀ መድረከ ቤቱ ለብእሲ ከሀዲ” ከም ዝብል።

ንሱ’ውን ነቲ ዝኾነ ርእዩ  ኣብ ክንዲ ዝምለስ መሊሱ ልቡ ኣትሪሩ ኣብ ዝነበሮ ኮፍ በለ፡ ጎይታ ድማ ሕማም ደውዩ ኣወረደሉ እሞ ሞተ። እንሆ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነብር ዝነበረ ሓደ ኣይሁዳዊ ናብ ንጉስ ቀሪቡ “እንሆ እዞም ክርስቲያን እዚኣቶም ኣብ መጽሓፎም ‘ብሓቂ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸን እምነት እንተድኣ ኣልያትኩም ነዚ ኸረን ድማ ካብዚ ኣልግስ ትብልዎ እሞ ንሱ ከኣ የልግስ ዝሰኣነኩም’ውን የለን’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ ሃየ የርእዩና” እንዳ በለ ተዛረቦ። ንጉስ ድማ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም ከይዱ “ኣቦየ እዚስ ከመይ ኢዩ ሓቂ ድዩ!” ክብል ተዛረበ። ሊቀ ጳጳሳት “እወ ኣማን በኣማን ሓቂ ኢዩ እንተኾነ ንሰለስተ መዓልቲ ዕድል ሃበኒ” ኢሎሞ ከዱ። እንሆ ከኣ ብጸሎት ነቒሕም ከለዉ ቅድስት ድንግል ማርያም ተገልጸትሎም እሞ ” ናብ መገዲ ውጻእ እሞ ስምዖን ዝበሃል ሰፋዩ ጫማ ኣሎ ንዑ ርኸቡ ንሱ ነቲ ተኣምራት ክገብሮ ኢዩ” ክትብል ተዛረበቶም። ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም እንሆ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ወዲኦም ከምቲ ዝተነግሮም ናብ ስምዖን ሰፋዩ ጫማ ከዱ ኣብቲ ዝሓበረቶም ቦታ ድማ ጸንሐ።

ስምዖን ሰፋዪ ጫማ  ናይ ዕለት መግቡን ክዳኑን ጫማ እንዳ ሰፈየ ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጫማ ስፍየለይ ክትብሎ መጸት፡ እንሆ ስምዖን መልክዐኛ ነበረ ኣንድም ብትኅርምት ዝነብር ዝነበረ ኢዩ እሞ ሰይጣን ክፉእ ንምስራሕ ኣብ ልባ ሓዲሩ ፍቕሪ ዝሙት ኣሕደረላ ዓይኑ ዓይኑ ጠሚታ ከኣ ከደት። እንሆ ንካልኣይ ግዜ’ውን ተመልሰቶ ሽዑ’ውን ሰፍዩ ሃባ። ንሳልሳይ ግዜ መጺኣ ከኣ እዚ ኣየድልየንን ኢዩ ከም ብሓድሽ እዚ ፈቲሕካ ስፈየለይ በለቶ ሽዑ እውን ሰፈየላ እንሆ ከኣ “ኣንቲ ሓፍተይ ክሳዕ ክንድዚ ትመላለሲስ ካልእ ጉዳይ ዘለኪ ኢኺ ትመስሊ” በላ። ንሳ ድማ ክዛረበካ ስለ ዝሓፈርኩ እምበር ኣነስ ንዓኻ ፈትየካ ኣለኹ በለቶ። ብድሕሪ’ዚ ስምዖን በቲ ዝበለቶ ነገር እንሰንበደ “እንሆ ኣብ ምንታየይ ኢኺኸ ፈቲኽኒ” ክብል ሕቶ ኣስዓበላ፡ ንሳ ድማ “ኣብ ዓይንኻ” ክትብል ምላሽ ሃበቶ። በዚ ከኣ ዓይኒ ምኽንያት ሓጢኣት፡ መስናኽል ካብ ኮነት ኢሉ ንዓይኑ በቲ ሕዝዎ ዝነበረ መስፈ ገይሩ ጎጥጒጡ ኣውጽኣ። ብሓንቲ ዓይኑ ድማ ይነብር ነበረ።

ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም ንስምዖን ረኺቡ እቲ ዝኾነ ኩሉ ነገሮ። እንሆ ከኣ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም ምስቶም ማዕጠንቲ ሕዞም ዝነበሩ ካህናት ስምዖን ድማ ምስቶም ህዝቡ ብሓደ ወገን ናይቲ ጎቦ ቆሙ፡ ንጉስ ድም ምስ ሰራዊቱ በቲ ኣንጻር ናይቲ ጎቦ ቆሙ። ብድሕሪዚ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም ሰለስተ ግዜ ነቲ ጎቦ ብትእምርተ መስቀል ባረኾ ከምቲ ኣቐዲሙ ስምዖን “ስለስተ ግዜ ነቲ ጎቦ ብመስቀልካ ባርኮ ፵፩/41 ኪርያላዮስ ድማ ኣብጽሕ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ስገድ፡ ክህናትን ህዝብን ንዓኻ ርእዮም ክሰግዱ ኢዮም” ኢሉ ዝነገሮ ገበረ፡ ስምዖን ድማ ጸለቱ ቀጸለ እንሆ ከኣ እቲ ጎባ ካብ ዝነበሮ ስለስተ ግዜ ሓፍ በለ፡ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃምን ዝነብርዎም ህዝብን ንጉስ ምስ ሰራዊቱን ሰለስተ ግዜ ተረኣኣዩ “ሰላም ለስምዖን በኃበ ማርያም ዝተአምረ እንበይነ ትእዛዙ ለወልዳ አዕይንቲሁ አዖረ ሶበ ጸለየ ከዊኖ እም ሊቀ ጳጳሳት ድኅረ ነቀለ ደብረ ወተከለ ደብረ” ከም ዝብል።

ነዚ ርእዮም ብዙሓት ካብ ኣረሚነት ናብ እግዚኣብሔር ካብ ኣይሁዳውነት ናይ ክርስቲያንነት ተመለሱ። ንስጉስ ድማ ኣነ ኣሚነ ኣለኹ እንሆ ከኣ ዝደለኻዮ ግበር ደስ ዝበለካ’ውን ውሰድ በሎ ብዙሕ ወርቅን ገንዘብን ከኣ ሃቦም በዚ ከኣ ብዙሕ ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ። ድሕሪ ብዙሕ ገድሊ ድማ ስለ ሃይማኖቱ መስኪሩ ኣብ ቅድሚ ኣሕዛብ ጽንዓቱ መስኪሩ ኣብ መበል ፫/3 ዓመትን መንፍቕን ናይ ሽመቱ ዓረፈ።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

 

ነገረ ቅዱሳን December 13, 2013

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 12:46 pm

ነገረ ቅዱሳን.

                                                   3

                                          4

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ቅድም ናይ ዮሓንስ መጥምቅ ረድኢ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ትርጉም ስሙ ድማ “ተባዕ ለመስቀል በኲረ ሓዋርያት” ማለት ኢዩ። ነገዱ ካብ ሮቤል ሃገረ ስብከቱ ከኣ ልዳ፡ ቁጽሩ ካብ ፲፪/12 ሓዋርያት ዕረፍቱ ታሕሳስ፬/4 ብ፷/60 ዓመተ ምሕረት ኢዩ። ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ንሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዉ ኢዩ።

ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ንሃገረ ስብከቱ ልዳ ክብገስ እንከሎ ሓደ ካብቶም ፸፪/72 ኣርድእቲ ዝኾነ ፊልሞና ረድኡ ኣኸቲሉ ናብታ ሃገረ ስብከቱ  ኣብኡ ምስ በጽሐ እቶም ኣቐዲሞም ብስብከት ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣሚኖም ዝጸንሑ ድማ ኣቑጽልቲ ሒዞም ብኽብሪ ተቐበልዎ። ነቶም ምእመናን ድማ ሃሌ ሉያ(ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን) ዝብል ምስጋና ከመስግኑን ክዝምሩን ኣዘዞም ኩሎም ደማ ብሓባር ኣመስገኑ። ነቲ ምስጋና ዝሰምዑ ካህናት ጣዖት ግና “እዚ ምስጋና እንሰምዖ ዘለና ኣብ ዓድና ክስማዕ ኣይንደልዮን ኢና፡ መንከ ኢዩ ከምዚ ዝገብር ዘሎ፧” ኢሎም ንሓድሕዶም ተዘራረቡ። ካብቶም ንሓዋርያ እንድርያስ ዝረኣይዎ፡ “ናይ ክርስቶስ  ሰዓቢ ኢየ በሃሊ እንድርያስ ዝበሃል ኢዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ነዞም ኣማልኽትናን ምኩራብናን ክሓድጉ ንሕዝብና ዘእምን ዘሎ ኢዩ” ኢሎም ገለጽሎም። ነዚ ምስ ሰምዑ ድማ ካህናት ጣዖት ኣስያፋቶም ተዓጢቖም ናብቲ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ዝነበሮ ቤተ ክርስቲያን ከዱ። ሓዋርያት ዝሰብክዎ ክሰምዑ ጽን እንተ በሉ ድማ ረድኡ ፊልሞና “ናይ ኣሕዛብ ኣማልኽቲ ብወርቅን ብሩርን ዝተሰርሑ ስርሓት ደቂ ሰብ ኢዮም፡ ኣፍ ከለዎም ኣይዛረቡን፡ ዓይኒ ከለዎም ኣይርእዩን፡ እዝኒ ከለዎም ኣይሰምዑን፡ ኣፍንጫ ከለዎም ኣየሸትቱን፡ ኢድ ከለዎም ኣይድህስሱን፡ እግሪ ከለዎም ኣይከዱን፡ ጎሮሮ ከለዎም ኣየስተንፍሱን(መዝ፻፲፭፡፬-፰/115፡4-8) እቶም ዝሰርሕዎም ከምኦም ይኹኑ ማለት ምሉእ ኣካላት ከለዎም ከምዘይብሎም ይኹኑ እንዳ በለ ክምህር ከሎ ሰምዕዎ። በቲ ምዑዝ ስብከቱ ተሳሒቦም ድማ ነቲ ንሓዋርያት ክቖርጽሉ ዝሓሰቡ ኣስያፋቶም ኣውዲቖም ንፊልሞና ኣብ ትሕቲ እግሩ  ሰገድሉ፡ ቅዱስ እንድርያስ ድማ ተግባሮም ተዓዚቡ፡ “ቅድሚ ሎሚ እዞም ክርስቲያን ዘበሉ ቤተ ክርስቲያን ተሳሊሞም ናብ ገዝኦም ክምለሱ ከለዉ ከይለግብኹም ኢልኩም ትሃድሙ ነይርኩም ሕጂ ድኣ ከመይ ኢልኩም ናብ ዘለውዎ መጺእኩም ክሳዕ ናብ እግሪ ፊልሞና ምስጋድ በጺሕኩም፧ እስከ ንገሩኒ” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ድማ “እዞም መጺእና ዘለና ፶/50 ዕጡቓት እምብዛ ንኣማልኽትና ትጸርፉ እንተኾንኩም ነዞም ኣብዛ ቤተ ክርስቲያን ዘለኹም ንኹሉኹም ክንቀትለኩም ኢልና ኢና መጺእና ኔርና እንተኾነ ናይዚ ረድእኻ ቃል ምስ ማረኸና ልብና ናብ ስብከቱ ዘምቢሉ፡ ስለዚ ንስኻ ከምቶም ምሂርካ ናብ ኣምላኽ ዘቕረብካዮም ሕዝቢ ቁጸረና” በልዎ።

ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ድማ ብናይ ፊልሞና ጣዕሚ ስብከት ከም ዝተመልሱ ተረዲኡ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ቦታ ተንሲኡ ንፊልሞና ብኽሳዱ ሒዙ ርእሱ እንዳ ሰዓመ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ  ሓዲሩ ዝተዛረቦ ቃል ሓቂ ኢዩ። ቃል ጥዑም ኣሕዛብ ናባኻ ይእከቡ፡ ብሓቂ መድሕን ነፍሳት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ይግባእ እንዳ በለ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኣመስገኖ። እንዳ ኣመስገነ ክስዕሞ ከሎ ዝረኣዩ ኣሕዛብ ከኣ ንፊልሞና ናብኡ እንዳ ቀረቡ ሰገገድሉን ሰላምታ ኣቕረብሉን፡ በዚ ነገር እዚ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ጽንዓት ሃይማኖቶም ርእዩ 4400ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠመቖም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣርድእቲ ክርስቶስ ዘምጽእሎም ሕሙማትን ድኑሳትን ኣሕውዮም ምዉታት ኣተንሲኦም ብእምነቶም ክጸንዑ ምዒዶም ስብከቶም ንምቕጻል ናብተን ዘይበጽሕወን ዓድታት ተፋንዮሙዎም ከዱ።

ሓዋርያ እንድርያስ ናብ ሃገረ ስብከቱ ልዳ ዝርከባ እስካትያ፡ ኣርጋንያኖስ፡ ሱቁል፡ ሃገረ እልዋን ዝተባህላ ምስ በጽሐ ኣብ መጀመርያ ስብከቱ ጎይታ “ኣቡኡን ኣዲኡን ኣኅዋቱን ገዲፉ ዘይሰዓበኒ ንዓይ ኣይበቅዕን ኢዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ቃል ወንጌል ገለጸሎም።

                                            2

እቶም ሰብ እታ ሃገር ግን ክምህሮምን ተኣምራት ክገብርን ብምርኣዮም ተቖጢዖም ንተኣከብ ቃልና ድማ ሓደ ንኹን። ንሕና ኮነ ኣቦታትና ዘይሰማዕናዮ ሓድሽ እምነት ኣምጺኡ ኣማልኽትናን ሕግናንዶ ከጥፍኣልና መጺኡ! ብስብከቱ`ውን ናብ እምነቱ ዘእትዎም፡ ካብ ወገንና ኣለዉ ተበሃሃሉ።

ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ግን ሓደ ለባም ተረኺቡ ቅድሚ ክፉእ ነገር ምፍጻምና ግን እንተንመያየጠሉ ምሓሸ ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት ኣመንቲ ኣስዒቡ ስለ ዘሎ ንሕና እንገብሮ ጥራሕ  ኣይንርአ በሎም። ብድሕሪ እዛ ምኽሪ እዚኣ ድማ ዝኣምንዎም ዓበይቲ ዓዲ ሽማግለታት ለኣኹ እሞ ቅዱስ እንድርያስ ብብሩህ ገጽ ተቐበሎም። ንሳቶም`ውን ምኽንያት መምጺእኦም ከይተዛረቡ ኣንታ ዓቢ ሰብ ይቕረ በለልና ገጽካ ምስ ረኣና እቲ ኮነ ኢልና ሓሲብናዮ ኣዝመጻእና ክፍኣት ካብ ልብና ፈጺሙ ርሒቑ። ንስኻ ድማ ንድሕነትና ከም ዝመጻእካ ሕጂ ተረዲኡና ስለዚ ሰዓብትኻ ክንከውን ካባኻ ኣይንፍለን ኢና በልዎ። ንሱ ድማ ብእምነት ክርስቶስ ጸኒዕኩም ንበሩ ኢሉ ባሪኹ ነናብ ቦትኦም ክምለሱ ፈቐደሎም። እቶም ዝለኣኽዎም ምስ ሰምዑ ግን ኣብቲ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ዝነበሮ ቦታ ንኺድ እሞ ካልኣይ ግዜ ናብዛ ዓድና ከይምለስ ብሓዊ ነንድዶ ኢሎም ናብቲ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ዝነበሮ ቦታ በጽሑ። ንሱ ድማ ብሰላም ተቐቢሉ ቅኑዕ ምኽሪ መኸሮም። ቀጺሉ ድማ ነዚ ዘምጽኣኩም ልፍኣት ገዲፍኩም እንተስዒብኩምኒ ጽቡቕ እንተድኣ እከይኩም ዘይገዲፍኩም ግና፡ ንእግዚኣብሔር ለሚነ ነታ ንዓይ ዝሓሰብኩምዋ ነገር ሓዊ ናብ ርእስኹም ተመሊሳ ከም እትጎድኣኩም ኣይትስሓቱ ኢሉ ብትብዓት መለሰሎም። ንሳቶም ግና ተቐዳዲሙም ንዕኡን ንጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጸርፉ ክጸርፉ ስለ ዝጀምሩ ንዓይሲ ዝበሉ ይበሉኒ ይበሉኒ ጸርፎም ልምዲ ወሲደሉ ኢየ ንጎይታኸ እንታይ መላዕልቶም ኮይኑ ኢዩ ኢሉ እንዳኣስተንተነ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ሓጢኣቱ ኣይሕደገሉን ኢዩ ዝብሎ ኣምላኻዊ ቃል ብምጥቃስ ጸሎት ስለ ዝገበረ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቶም ተቛወምቲ ሰብ እታ ሃገር ኣንዲዱ ኣጥፍኦም።

ክፉእካ ዘይረኣየ ጽቡቕካ ነይፈልጥ ከምዝበሃል ከኣ ዜና ተኣምራቱ ናብ ኩለን እተን ኣውራጃታት ምስ በጽሐ እቶም ብስብከቱ ከይኣመኑ ዝጸንሑ እታ ሓዊ ዘየርከብቶም ሰባት ነዚ ሰብ እዚ ስቕ ኢልና ርኢናዮ ብስራይ ከጥፍኣና ኢዩ፡ እንደገና`ውን ኣንስትናን ሰብኡትናን ክፈላልየና ኢዩ ኢሎም ጸዊዖም ናብኦም ኣቕረብዎ። ተሓባቢሮም ድማ ብእምንን ብበትርን ደብዲቦም ክዳኑ ገፊፎም ኣብ ፈቖዶ መገዲ ኣዘርዎ።

ክሳዕ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝውሰነሉ ድማ ክዳኑ ገፊፎም ጥራዩ ናብ ዋና ቤት መእሰርቲ ኣእተውዎ። ናይታ ሃገር ልምዲ ድማ ክቐትልዎ ንዝደለዩ ብስቕለት ወይ ብዳርቢ እምኒ ይሙት ኢሎም ኢዮም ዝውስንሉ፡ ሓዋርያ እንድርያስ ግን ዋላ እኳ እንተተኣስረ ቃለ እግዚኣብሔር ስለ ዘይእሰር ከምታ ቀዳመይቲ ጸሎቱ ገይሩ ነቶም ዘሸግርዎ ዝነበሩ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ከንድዶም ጸለየ። እንተኾነ ግን ጎይታ ተገሊጹ ምስቶም ከማኻ ዝበሉ ንዓይ ዘስመሩኒ ናብ ገነት- መንግስተ ሰማያት እትጓዓዘሉ ግዜ ስለ ዝበጽሐ ተጋድሎኻ ድማ ስለ ዝፈጸምካን  ኣይትቆጣዕ ኢሉ ኣጸናንዖ።

ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ድማ ናይ ሞቱ ፅዋኡ ንምቕባል እንዳ ተጸበየ ከሎ ንመዓት እምበር ንምሕረት ዘይለኣኹ ዓቀይቶት ካብ ቤተ መእሰርቲ ኣውጺኦም ናብ መስቀል ሰቐልዎ። ነፍሱ ካብ ስግኡ ክሳዕ እትፍለ ከኣ ብዳርባ እምኒ ኣቑሰልዎ። ብድሕሪዚ ምእመናን ካብ መስቀል ኣውሪዶም ብኽብሪ ቀበርዎ።

በረኸት ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

1

 

ነገረ ማርያም December 12, 2013

Filed under: ነገረ ማርያም,Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 9:57 am

ነገረ ማርያም.

current dece 03current2

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ወሶበ ተፈጸመ ፫ቱ ዓመት እንዘ የሐፅነ ማርያምሃ ወለቶሙ በንጽሕ ትቤሎ ሐና ለኢያቄም ምታ ተዘከር ኦ እኅየ ዘተካየድነ ለእግዚኣብሔር ነሀብ ወለተነ ብምድር ዘእንበለ ለቤተ እግዚኣብሔር

ወሶበ ሰምዐ ኢያቄም ዘንተ ነገረ እምብእሲቱ ሐና ተፈሥሐ ዓቢየ ፍሥሓ ወኣስተጋብአ ኲሎ ዘይከውን ለፍኖት ወአምኃ ለቤተ እግዚኣብሔር ወፀውዑ አዝማዲሆሙ ወአዕርክቲሆሙ ወኩሎ ሰብአ ቤቶሙ ወሖሩ ወንሥኡ ወለቶሙ ወአብእዋ ውስተ ቤተ መቅደስ(ተኣምረ ማርያም)

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣብኣ ኢያቄም ኣዴኣ ሃና ብሓደ ግንቦት ኣብ እምባ ሊባኖስ ተወልደት። ኢያቄም ካብ ወገን ይሁዳ፡ ሃና ድማ ካብ ወገን ካህናት ኢዮም። እዞም ክልተ ሰባት ብቕድስና ብንጽህና ንእግዚኣብሔር እንዳ ኣገልገሉ ዝነብሩ ዝነበሩ ብኹሉ ኣካይድኦም ዝተመስገኑ ኢዮም። ዘመኖም ምሉእ ብስምምዕን ብምትሕልላይን ዝነበሩ ቅዱሳን ስድራቤት ኢዮም። እንተኾነ ሃና መኻን ብምንባራ ውላድ ኣይነበሮምን። እዚ ኮይኑ ግን ውላድ ውህበት ናይ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ግዜ ብጸሎትን ልመናን ነቒሖም ይጽበዩ ነበሩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ልመና ቅዱሳኑ ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም ሃቦም። እግዚኣብሔር ብዝሃቦም ውላድ ኣዝዮም ኣመስገኑ። ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑል ዝኣተውዎ መብጽዓ ንኽፍጽሙ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት በዛ ቅድስት ዕለት ናብ ቤተ መቕደስ ኣረክብዋ። ኣብ ቤተ መቕደስ ድማ ብንጽህናን ብቕድስናን ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ተቐመጠት።

ጣዕማን በረኸታን ምሕረት ናይ ፍቁር ወዳን ክሳዕ ዘለኣለም ካባና ኣይፈለ። ኣሜን!!!

ናይ ሥላሴ ምሕረት

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት

ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጸጋን በረኸትን ኣይፈለየና!!!

 

ነገረ ቅዱሳን December 9, 2013

Filed under: ነገረ ማርያም — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 11:52 am

ነገረ ቅዱሳን.

ድንግል ማርያም ብምስላ

፳ መሶበ ወርቅ ኤልያስ

131594_464836070224728_1305800218_o

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኢልያስ “,,,,,,,ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኪልዓው መጺኡ ኮፍ በለ። ሞት ተመንዩ ድማ ኦ እግዚኣብሔር  ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን ኢየ እሞ ሕጂ ይኣኽለኒ ንነፍሰይ ውሰዳ በለ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኪሊዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ መልኣኽ ነቕኒቑ ተንስእ እሞ ብላዕ በሎ። እንተ ጠመተ ከኣ እንሆ ዝተሰንከተ እንጌራን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር መሊሱ ነዊሕ መገዲ ኣለካ እሞ ተንሲእካ ብላዕ በሎ። ንሱ ከኣ ተንሲኡ በልዐን ሰተይን እሞ ብሓይሊ እቲ ምግቢ ክሳዕ ሆሬብ ከረን እግዚኣብሔር ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ከደ” (1ነገ፲፱፡፩-፰/19፡1-8)። ኤልያስ፡ ኤልዛቤል ስለ ዝፍርሃቶ ኣብ ዝሃደመሉ እዋን ዝብላዕ ኣይተማልአን ነበረ። በዚ ምኽንያት ጠምዩ፡ ጸሚኡ፡ ደኺሙ’ውን ደቀሰ። ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ብምዃኑ ብኢድ መልኣኽ እግዚኣብሔር ተተንከፈ። ተስፋ ቆሪጹ ንሞት ኣብ ዝተመነየሉ ኣብታ ሰዓት እቲኣ እቲ መልኣኽ ረድኦ። ተምዩ ስለ ዝነበረ እንጌራ ብመሶብ፡ ማይ ብሳርማ ኣቕረበሉ። እምነት እንተኣልዩ ነቲ ዝብላዕን ዝስተን ዘዳሉ እግዚኣብሔር ኢዩ። ኤልያስ ሰብ እንተሰጎጎ ዝሕልዎ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኣይተፈለዮን፡ ዝበልዖን ዝሰትዮን ከኣ ኣቕረበሉ ክበልዕ’ውን ኣዘዞ፡ በሊዑ’ውን ደቀሰ። እቲ ናይ መጀመርያ ብልዒ ንኤልያስ ከም ዘድከሞ ዝረኣየ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ዘበርትዖ መግቢ ካልኣይ ግዜ ነቕኒቑ መገቦ። እቲ መገዲ ርሑቕ ምዃኑ’ውን ነገሮ። ካልእ ሓይሊ ከየድለዮ በቲ ሓይሊ ብልዒ  ጥራይ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ተጓዒዙ እምባ ሆሬብ በጽሐ። ሆሬብ እግዚኣብሔር ብሃልሃልታ  ሓዊ ተመሲሉ ንሙሴ ዝተገልጸሉ ቅዱስ ከረን ኢዩ። እግዚኣብሔር ንሙሴ “ናብ’ዚ ኣይትቕረብ እዛ ንስኻ ደው ዝበልካላ ስፍራ ዝተቐደሰት መሬት ኢያ እሞ ኣሳእንካ ካብ እግርኻ ኣውጽእ” ኢልዎ ነይሩ ኢዩ(ዘጽ፫፡፭/3፡5, ግ.ሓዋ፯፡፴፫/7፡33)።

ኤልያስ ካልኣይ ብዝበልዖ ብልዒ ሓይሊ ረኺቡ ክሳዕ ከረን እግዚኣብሔር ከም ዝተጓዓዘ ወዲ ሰብ’ውን ካልኣይ ብዝተዋህቦ ናይ ሕይወት ምግቢ ብስግኡን ደሙን ሓይሊ ረኺቡ ክሳዕ መንግስተ ሰማያት ይጓዓዝ። “ንስኻትኩም ግና ከረን ጽዮን ናብታ ከተማ ሕያው እግዚኣብሔር በጺሕኩም ኢኹም”(እብ፲፪፡፳፪/12፡22)። ከረን ጽዮን፡ ከተማ እግዚኣብሔር ዝተባህለት መንግስተ ሰማያት ኢያ። ብኻልእ ወገን’ውን ከረን ጽዮን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ ምኽንያቱ ኣብ ከረን/እምባ/ ዘሎ ከተማ ከምዘይስወር ብግልጺ’ውን ከምዝረአ ጎይታ’ውን ብድንግል ማርያም ተገሊጹ ኢዩ እሞ ከረን ጽዮን ትበሃል። እግዚኣብሔር ወልድ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ንማሕጸና/ንከርሳ/ ከተምኡ ገይርዎ ኢዩ’ሞ ናይ እግዚኣብሔር ከተማ ትበሃል።

ኤልያስ ናይ ኣዳም፡ መሶብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብልዒ ናይ ጎይታና ምሳሌታት ኢዮም። ምኽንያቱ ናይ ሕይወት እንጌራ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ብመሶብ ካብ ዝተመሰለት ድንግል ማርያም ኢዩ። ጎይታ “ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕያው እንጌራ ኣነ’የ ሰብ ካብዚ እንጌራ እንተበልዐ ንዘለኣለም ይነብር። ኣነ’ውን ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ ስጋይ ኢዩ” ኢሉ ኢዩ(ዮሓ፮፡፶፩/6፡51)። ብምግበ ስጋ ደኺምና ብሓጢኣት ዝደቀስና ኩሉና’ውን ኣብ ኤፌ፭፡፲፬/5፡14 “ኣታ ዝደቀስካ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታን ተንስእ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ ኢዩ” ከምዝተባህለ ካብ ድቃስ ሓጢኣትና ነቒሕናን መንፈሳዊ ሓይሊ ንዝህበናን ናይ ሕይወት ብርሃን ንዝኾነልናን ንናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ተመጊብና ጉዕዞና ናብ መንግስተ ሰማያት ንግበር። ኣብ መገዲ ዝተረፉ ብዙሓት ኢዮም እሞ ጉዕዞ ድሕሪ ምጅማርና ናይ ስጋ ድልየትና እንዳ ዓንቀፈና ነቲ ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ምጽዋት፡ ቅዳሴ፡ ማኅሌትን ሰዓታትን  ገዲፍና ናብ ካልእ ኣይነድሕርሕር፡ ጉዕዞና’ውን ኣይነቋርጽ፡ “ብዛዕባ ስጋ ምሕሳብ ሞት ኢዩ፡ ባዛዕባ መንፈስ ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን ኢዩ”(ሮሜ፰፡፮/8፡6)።

ስለዚ ኣቦና ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ ኢየ ንዝበለ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝወለደትልና ቅድስት ድንግል ማርያም “ዝተሰወረ መና ዘለኪ ንጹሕ መሶበ ወርቅ ንስኺ ኢኺ፡ መና’ውን ካብ ሰማይ ዝወረደን ንዓለም ኩሉ ሕይወት ዝዕድልን ሕብስቲ ኢዩ” ብምባል ወዲስዋ ኢዩ(ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም)

ይቕጽል,,,,,,,,,,,,,,,

ይትባረክኣምላከኣበዊነ!!!

 

 

 

ነገረ ቅዱሳን December 8, 2013

Filed under: ነገረ ክርስቶስ,Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 4:12 pm

ነገረ ቅዱሳን.

ኅዳር፳፱–ዕረፍቱ ለቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ  ሰማዕት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣብኡ ቴዎድሮስ ይበሃል፡ ሊቀ ካህናት ነበረ። ኣዲኡ ከኣ ሶፍያ ትበሃል።

ኣዲኡ ኣብ ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን  ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስን ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ክትጽሊ ከላ ካብቲ ስእሎም “ናይ እግዚኣብሔር ሕሩይ ዝኾነ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ስሙ ከኣ ጴጥሮስ ኢልኪ ስመይዮ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። ብድሕሪዚ ሕጻን ወዲ ወለደት እሞ ከምቲ ዝተነግራ ከኣ “ጴጥሮስ” ክትብል ሰመየቶ። ብመንፈሳዊ መገዲ፡ ንእግዚኣብሔር ዘግልግል ኮይኑ ድማ ዓበየ። ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ክመሃር ድማ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ሊቀጳጳሳት ዝነበረ ኣባ ሳሙኤል ኣረከብዎ። ኣባ ኣሳሙኤል ድማ  ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ሚሂሮም ክሳዕ ማዕርገ ቅስና ኣብጽሕዎ። እንሆ ቅድሚ  ሞቶም “ካባይ ቀጺሉ ዝሽየም ንሱ ኢዩ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ ድማ እግዚኣብሔር ከም ቃሎም መሰረት ናይ መንበረ ማርቆስ መበል 18 ሊቀ ጳጳሳት ኮይኑ ተሸመ።

ምስኡ  አኪላስ፡  እለእስክንድሮስ፡ ኣርዮስ ዝኣመሰሉ ደቂ መዛሙርቲ ነበርዎ። ታሪኾም ንምልዓል ድኣ እምበር ደቂ መዛሙርቱስ ንሳቶም ጥራሕ ኣይነበሩን። ኣርዮስ ዓዱ ሊብያ ኢዩ ኣብ ግብጺ መጺኡ ከኣ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ይመሃር ነይሩ። ሓደ ግዜ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣትዩ  ጥበበኛ ሰሎሞን ካብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከንብብ ከሎ “ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ  ኣብ ከመ እኩን መቅድመ ኩሉ ተግባሩ”(ምሳሌ፰፡፳፪/8፡22) ዝብል ቃል ረኸበ። ስለ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነት ይጠራጠር ስለ ዝነበረ፡ “ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኢዩ ስለዚ ወልድ ናይ ኣብ ፍጡር/ሎቱ ስብሓት/ ኢዩ” እንዳ በለ ክምህርን ክከራኸርን ጀመረ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ሊቀጳጳሳት ጴጥሮስ በጽሐ ንኣርዮስ ጸዊዑ ከኣ ኣዘራረቦ እንሆ  “ገዲፈዮ ኣለኹ” ኢሉ ከደ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ምንፍቕናዊ ትምህርቱ ክገድፎ ኣይተራእየን እኳ ድኣ ኣብ ዝኸዱ ኩሉ “ወልድ ፍጡር/ሎቱ ስብሓት/ ኢዩ” እንዳ በለ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ምምሃር ቀጸሎ። ብዙሕ ግዜ ተመኺሩ ምስማዕ ስለ ዝኣበየ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ  ንክህነቱ ስዒሩ ኣሰሮ ብድሕሪኡ ዝፈትሖ ከይርከብ ከኣ ነቶም ደቂ መዛሙርቲ ነገሮም።

ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ንክርስቲያን ብጃምላ ብስሕለት ሴፍ ኣብ ዝቐትለሉ ዝነበረ ዘመን “እንሆ ንመዓልቲ ኣሽሓት ሰብት ይቕተሉ ኣለዉ እንተኾነ መሊሶም ከኣ ይበዝሑ ኣለዉ እዚ ከመይ ኢዩ፧ እንታይ ኢዩ ነገሩ፧” እንዳ በለ ክጭነቕ ጀመረ። ኣማኸርቱ ድማ “ንስኻ ሽሕ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ክርስቲያን ቀቲልካ ክትውዕል ከለኻ ክልተ ሽሕ ኣእሚኑ፡ ኣጠሚቑ ዝውዕል መምህር ኣለዎም” ክብሉ ተዛረብዎ። ንሱ ድማ “መን’ዩ” ክብል ሓተቶም። ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ኢዩ ክብሉ ድማ መለሱ። እንሆ ቅተልዎ ኢሉ ሰራዊት ለኣኸ።

ነዚ ዝሰምዐ ኣርዮስ ንአኪላስን ንእለእስክንድሮስን ምስ መምህረይ ጴጥሮስ ኣተዓርቑኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ከይዶም “ክቡር ኣቦና ተጣዒሰ ኢየ ኩሉ ገዲፈዮ ኣለኹ ይብል ኣሎ እሞ መሓርዎ፡ ፍትሕዎ” እንዳ በሉ ናብ ሊቀጳጳሳት ቀረቡ። ” እምበኣር ተጣዒሰ ኢየ ንዝብለ እትብሎ ነገር የለን እንተኾነ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክንዘራረብ ቆጸሮ ንሓዝ” ኢሎም መዓልቲ ቆጺሮም ኣፋነዎም። በታ ለይቲ እቲኣ ክብሪ ንዕኡ ይኹን ኣምላኽናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ በኣምሳለ ሕጻን ኮይኑ ዝተቐደደ ልብሲ ለቢሱ ርእሱ ሒዙ ክሓዝን ንሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ተራእዮ። ጎይታ ምዃኑ ፈሊጡ “ኦ! ጎይታ መኑ ሠጠጣ ለልብስከ— ጎይታይ ንክዳንካ መን ቀደዶ” ክብል ሓተቶ። “ኣርዮስ ቀዲዶ ካብ ካብ ናይ ባህሪይ ኣቦይ ካብ ኣብ ካብ ናይ ባህርይ ሕይወተይ ካብ መንፈስ ቅዱስ ፈለየኒ ወእምኔሁ ተዐቀብ ዘይምለስ መናፍቕ ኢዩ እሞ ካብ ውግዘቱ ከይትፈትሖ” ክብል ተዛረቦ፡ ካብዚ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ክሳዕ ምጽኣቱ ዝኸውን ኩሉ ነገሮ።

ዝሓዝዎ ቆጸራ ምስ ኣኸለ አኪላስን እለእስክንድሮስን ንኣርዮስ ሒዘሞ ናብ ሊቀ ጳጳሳት መጹ፡ ኣርዮስ ሓደ እግሩ ኣብ ውሽጢ ቤት ሓደ እግሩ ድማ ኣብ ደጌ ጌና ናብ ውሽጢ ከይኣተወ “ውጉዝ ኣርዮስ በሰማይ ወበምድር” ኢሉ ወገዞ ብኡ ንብኡ ከኣ በሪሩ ከደ፡ ነዚ ዝረኣዩ አኪላስን እለእስክንድሮስን ደንጊጾም ጠጠው በሉ። “ደቀየ ንምንታይ ደንገጽኩም፡ እንታይ’ከ የደንግጸኩም፧” ክብል ተዛረቦም። “ንሕና ካብ ስሕተቱ ተመሊሱ ምሳኹም ክዕረቕ ካብ ውግዘቱ ክፍታሕ ኣምጺእናዮ ድኣ እንታይ ኮይና ዘይንስብድ” ክብሉ መለሱ። ፍቓድ ኣምላኽ ክትፍጽሙ ይግባእ ኢዩ፡ ኣነ መዓልቲ ዕረፍተይ ኣኺሉ ኢዩ እንሆ ከኣ ኣኪላስ ብድሕረይ ክሽየም ኢዩ እንተኾነ ንሱ’ውን እንተኾነ ብውዳሴ ኮንቱ ተጠሊፉ፡ ብፈታዊኡ ብፍቕሪ ኣርዮስ ተደናጊሩ ንኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ክፈትሖ ናብ ሽመቱ ከኣ ክመልሶ ኢዩ፡ ብኸምዚ ከኣ ቀልጢፉ ክቕዘፍ ኢዩ። ብድሕሪ አክሊሳ እለእስክንድሮስ ክሽየም ኢዩ፡ ኣብ ዘመኑ ዓቢ ጉባኤ ክኸውን ኢዩ፡ ሕፍረት ኣርዮስ ከኣ ሽዑ ክቕላዕ ኢዩ” ክብል እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተገልጸሉ ቃል ነገሮም።

ብድሕሪ’ዚ ዲዮቅልጥያኖስ ዝለኣኾም ወተሃደራት ናብቲ ዝነበሮ ቦታ መጹ። ምእመናን ኣዚዮም የፍቅርዎ ስለ ዝነበሩ ለይትን ቀትርን ንሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ይሕልውዎ ነበሩ። ብኣይ ምኽንያት ብኾንቱ ደም ክፈስስ የብሉን ብምባል ኣብቲ መቓብር ናይ ቅዱስ ማርቆስ ከይዱ “ኦ! እግዚኦ ርስያ ለዛቲ ደምየ ተፍጻሜተ ደመ ኩሎሙ ሰማዕተ አንጾኪያ” እንዳ በለ ክጽ ጀመረ። እዚ ዝበለ ግን ብድሕሪኡ ስለ ወንጌል ክብሉ ሰማዕትነት ዝቕበሉ ከይህሉ ወይ’ውን ሰማዕታት ከይብሃሉ ንማለት ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ዘመን እቲ ዝነበረ መሪር መከራ ከቢድዎም ንኸይክሕዱ ካብ ዝብል ሓሳብ ኢዩ። ነቲ ዝበሎ ምላሽ ድማ “ኣሜን ይኩን በከመ ቃልከ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰምዐ።

በዚ ሰዓት እዚ ምእመናን ኣብ ቤት ኣእትዮም እንዳ ሓለውዎ ከለዎ፡ ንሳቶምደኺሞም ስለ ዝነበሩ እንሆ ክሳዱ ብመስኮት ኣስሊኩ ኣውጺኡ ነቶም ንክርስቲያን ዝስይፉ ዝነበሩ ናይ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ልኡዃት ሃቦም ንሳቶም ድማ ክሳዱ ሰየፍዎ። “አስሐወ ሎሙ ፊቃሮ ቅድስት ወመጠዎሙ ክሳዶ ክብርተ ለጋላት” ከም ዝብል።

ጸሎቱን በረኸትን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!      

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።