ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል

ነገረ ቅዱሳን December 27, 2013

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 4:42 pm

ነገረ ቅዱሳን

“ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ”

      16     

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ዘመኑ እስራኤል ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ኣብ ትሕቲ ርኽሰትን መገዲ ኣሕዛብን ዝኸድሉ ዝነበሩ ኢዩ። እቶም እግዚኣብሔር                 “ሕዝበይ” እንዳ በለ ዝጸውዖም እስራኤላውያን ንሓድሕዶም ዝነብሮም ፍቕሪ ብምጥፍኦም ብሓደ ምሕደራን ብሓደ ንጉስን ምጉሳይ ገዲፎም ኣብ ክልተ ዝተኸፍልሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። በዚ ዘመን እዚ ኢዩ እምበኣር እቲ ሓያል፡ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ መልኣኽ፡ መጋቤ ሓድሽ ዝተሰምየ ቅዱስ ገብርኤል ብረድኤት ናብቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንእግዚኣብሔር ኣኽቢሮም ነቲ ጨካን ንጉስ ናቡከደነፆር ብጽንዓቶም ተደኒቑ ነቲ መልኣኹ ልኢኹ ዘድሓኖም ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘመስገን ዝገበረ። ናይ ቅዱስ ገብርኤል ውዕለት ከምቶም ካልኦት ቅዱሳን መላእክት ብሓደ ግዜ ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ካብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ እቶን ሓዊ ኣትዩ ነቶም ናይ ሃይማኖት ሓርበኛታት ናይ ቅዱስ ስነ ምግባር ኣርኣያ ዝኾኑ ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ዝገበሮ ዘድንቕ ናይ ተራዳእነት ተግባር ክንርኢ ኢና። ቅድሚኡ ግና ኣቐዲምና ስለ ቅዱስ ገብርኤል ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ክንጠቅስ። ቅዱስ ገብርኤል ብቐዳምነት ዝጽውዓሉ ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ክሕደት ዝተላዕለሉ ዓለመ መላእክት ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ንቅዱሳን መላእኽቲ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ—-ሰንበት ምስ ፈጠሮም ካብ ኣዒንቶም ተሰወረ። ዲያብሎስ ዝተሰምየ ሳጥናኤል ኣብ ዙርይኡ ጠመተ፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ቁሊሕ በለ፡ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ብዓይኒ ልቦንኡ ከስተብህሎ ስለ ዘይከኣለ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን መላእክት “ኣነ ኢየ ፈጢረኩም ንዓይ ኣመስግኑ” ክብል ተዛረበ። ነዚ ዝሰምዑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዘረብኡ ኣዝዮም ተገረሙ፡ ገሊኦም ብሓቂ ንሱ ኢዩ ፈጢሩና ኢሎም ኣመንዎ፡ ገሊኦም’ውን ሓሳባቶም ኣብ ክልተ ኾነ ተጠራጠሩ፡ እቲ ሓያል ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ግና ካብ ማእከል ቅዱሳን መላእኽቲ ብድድ በለ እሞ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ንቁም በብህላዌ እስከ ንኣምር አምላክነ” ብምባል ነቶም ብሓሳባት ሳጥናኤል ተሃዊኾም ዝነበሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣረጋግኦም። ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ልዕሊ ማንም መልኣኽ ነገረ ተዋህዶ ዝሰበኸ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘበሰረ ብስራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ኢዩ(ሉቃ፩፡፳፮-፴፰/1፡26-38)። ብዝገበሮ ተራዳእነት፡ ኣማላድነትን ናይ ምድሓን ነገራት ኣብ ብሉይ ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣዝዩ ዓቢ ክብሪ ዝሓዘ መልኣኽ ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ምስጢራት ዝገልጽ፡ ኣብ ሽግር ዘበርትዕ፡ ኣብ መከራ ካብ ሞት ዘናግፍ፡ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ዝገብር ሓይል ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኢዩ ቅዱስ ገብርኤል(ዳኒ፫፡፳፬-፳፯/3፡24-27, ፰፡፲፭/8፡15, ፱፡፳፩-፳፪/9፡21-22)።

ናብ ኣርእስትና ምልስ እንተ ኢልና፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘለና፡ እስራኤል ኣብ ርኽሰት ወዲቖም ከለዉ ንኣምላኽ ስለ ዘቖጥዕዎ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእቶም ክወድቁ በቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ክቕጽዑ ንኣሕዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ዘመን እቲ ናይ ባቢሎን ንጉስ ዝነበረ ንጉስ ናቡከደነፆር  ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  ንቅድስት ሃገር እስራኤል ክወርር ተበገሰ፡ ኣምላኽ ድማ ንብዘሎ ሰብን ንብረትን ናይ ቤተ መቕደስ ከይተረፈ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ ንብዙሓት እስርኤላውያን ቀቲሉ ንብረቶም ዘሪፉ ማሪኹ ድማ ናብ ዓዱ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። እስራኤላውያን ዓዶም ገዲፎም ተሰደዱ፡ ኣብ ቤቶም ሞይቆም ዝነብሩ ዝነብሩ፡ ስርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽሙላ ቤተ መቕደስ ገዲፎም ናብታ ብኣምልኾ ጣዖት ዝመልአት ባቢሎን ኣምርሑ። ብስጋዊ ናብራ ኣዝዩ ተረሮም ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ተወሰኾም፡ ስርዓተ ኣምልኾ ተነፊግዎም ብሓይሊ ናብ ጣዖታት ብግንባሮም ተደፊኦም ክሰግዱ ጀመሩ፡ እዞም ስለስተ መንእሰያት ዳኒኤል ዝረብዓዮም ግና ከምኣቶም ኮይኖም ኣይተረኽቡን፡ ኣብ ምድሪ ስደት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ከለዉ ንኣምላኽ ኣይከሓዱን ስሙ ንምጽዋዕ ኣይሓፈሩን፡ ንመከራን ንሞት’ውን ኣይፈርሑን፡ ጸንዑ ድኣ።

ንጉስ ናቡከደነፆር ንእስራኤላውያን ድሕሪ ኣብ ባቢሎን  ድሕሪ ምእታዉ ኣሽፈናዝ ዝበሃል ሓለቓ ሽማሙንቱ ጸዊዑ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን ሓርዩ መንእሰይ ዝኾነ ከምጽኣሉ ኣዘዞ። እቲ ዝነበረ መምዘኒታት ከኣ፦

vናይ ነገስታት ዘርኢ

vዝኾኑ ምልኩዓት

vኣብ ሰብነቶም ጉድለት ዘይብሎም

vብኹሉ ጥበብ መስተውዓልቲ

vምሁራት(ንሰባት ክምህሩ ዝኽእሉ)

ዝብል ነበረ። ነዚ ኹሉ መምዘኒታት ኣማሊኦም ዝተረኽቡ ድማ እዞም ሰለስተ መንእሰያት ራብዓዮም ድማ ዳኒኤል ነበሩ(ዳኒ፩፡፫-፬/1፡3-4)። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ናይ ባቢሎን ትምህርትን ቋንቋን ክመሃሩ ይደሊ ነበረ። እዚ ከኣ እስራኤላዊ ባህልን ልምድን ገዲፎም፡ ኣእምርኦምን ሓሳባቶምን ብናይ ባቢሎናውያን ምእንቲ ክምላእ ነቲ ዝነበሮም እምነትን ባህልን ክልውጡ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብቲ “ናይ ከለዳውያን ናይ ትምህርቲ ኮለጅ” ብምእታው ክፍጸም ከም ዘለዎ ንጉስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እቲ ነዚ መዝነት እዚ ዝተዋህቦ በዓል ስልጣን ነዞም መንእሰያት ናብቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ወሰዶም፡ ነቲ ዝነበረ ኣስማቶም ገዲፉ ድማ ብናይ ዓዱ ባህልን ልምድን ኣስማት ቀየረሎም፡፡

ናይ ቀደም ስም   ትርጉም                   ሓድሽ ስም                          ትርጉም

vዳኒኤልእግዚኣብሔር ዳኛ ኢዩ——ብልጣሶር(ናይ በዓል ኣገልጋሊ፦ በዓል ናይ ባቢሎናውያን ኣምላኽ ኢሎም ዝኣምንዎ ጣዖት ኢዩ)

vኣናንያ—- እግዚኣብሔር ርሕሩሕ መሓርን ኢዩ——-ሲድራቅ(ብጸሓይ ኣምላኽ ዝተገለጸ)

vሚሳኤል-ንእግዚኣብሔር ዝመስል—- ሚሳቅ(ብሻቅ ወገን–ሻቅ ናይ ባቢሎናውያን ናይ ጽባቐን መሬትን ኣምላኽ

vኣዛርያ–እግዚኣብሔር ይረድኦ ኢዩ——-አብድናጎ(ናይ ኣምላኽ እሳት ኣገልጋሊ ሄጎ ናይ ባቢሎናውያን ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ኢያ)።

 እንሆ እቲ ሓለቓ ሽማሙንቲ መንነት እስራኤላውያን ንምቕያር ድሮ ብስም ምውጻእ ኢዩ ጀሚርዎ። ስዒቡ ዝመጸ ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ኣትዮም ብሓባር ምስቶም ተማሃሮ ክምገቡ ነበረ። እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ተስፋ ዝተነብረሎም ብምንባሮም መግቦምን መስተኦም ካብቲ ናይ ንጉስ ነበረ፡ እቲ ናይ ምግብና ሓላፊ ድማ እቲ ብንጉስ ዝተኣዘዘ መግቢን ክሰትይዎ ዘለዎም መስተን ነገሮም። እንተኾነ ካብቲ ናይ ንጉስ መግቢ ምብላዕ ካብ መስትኡ ምስታይን ንሰብነቶም ዘርክስ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦም እንሆ ብልቦም ካብቲ መግቢ በሊዖም ምእንቲ ከይረኽሱ ብእምነት ኣበዩ። እንሆ ነቲ ሓለቓ ናይ ምግቢ “እንበልዖ ኣሕምልትን እንሰትዮ ማይን ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ  ተዓዘበና፡ ድሓር ንዓናን ነቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ርኣየና፡ ሽዑ ንባሮትካ ከምቲ  ዝመስለካ ግበረና” ክብሉ ብምእነት ተዛረብዎ ከምቲ ዝበልዎ ድማ ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ኣዝዮም ጸቢቖምን መልኪዖምን ተረኽቡ(ዳኒ፩፡፰-፲፮/1፡ 8-16)። በዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቕኦም ዓቢ ዝኾነ ሞጎስ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝረኸቡ ዝተረፈ ግዜኦም ሰለስተ ዓመት ናይ ኮለጅ ዘመን ሓምሊ እንዳ በልዑ ማይ እንዳ ሰተዩ ሓለፍዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብጥበቦምን ብትምህርቶምን ካብ ኩሎም እቶም ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ምስኣቶም ዝተማህሩ ዝበለጹ ኮይኖም ተረኽቡ።

እዞም መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ተረኽቡ፡ ንንጉስ ድማ ኣብ ኩሉ ዕይኡ ከምቲ ዝደልዮ ገይሮም ይሕግዝዎን ኣብ ኩሉ ዕይኦም ድማ ንጡፋትን ብልህታትን ነበሩ። ዝተረፉ እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ክዋፈሩ፡ ምስ ኣሕዛብ ክሓብሩ ከለዉ ንሳቶም ግና ከምቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ጣዕሚ ንጉስ ፎርዖን ገዲፉ ምስ ህዝቡ ብሕጊ ኣምላኽ እንዳ ተመርሐ ምንባር ዝመረጸ፡ ንሳቶም’ውን  ናብራ ኣሕዛብ ኣብ ድሕነት ዘብጽሕ ከም ዘይኮነ ተረዲኦም ብፍጹም እምነት ካብ ኩሉ እቲ ዘርክስ ነገርን ካብ ኣምልኾ ጣዖታትን ተሓለወ።

ናይ ንጉስ መግቢ ስለምንታይ ምብላዕ ኣበዩ፧

vሽሕ እኳ ነቢይ ዳኒኤልን ሰለስተ መንእሰያትን ኣብ ቤት መንግስት ብጽቡቕ ናብራ እንተ ነበሩ ወገናቶም ኣብ ኣዝዩ ጨኳኒ ዝኾነ ሕይወት ከም ዘለዉ ፈሊጦም ኣብቲ ናቶም ናይ ጽዋዕ መከራ ምእንቲ ተሳተፍቲ ክኾኑ ናይ ንጉስ ጥዑም መባልዕ ካብ ምብላዕ ተቐጠቡ፡ ኣይንበልዕን ከኣ በሉ። ነቢይ ነህምያ ዕንወት ኢየሩሳሌምን ናይ ወገናቱ መከራን ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ንሓያሎ መዓልቲ  እንዳ በኸየ ብሓዘን ተቐመጠ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ብጾምን ብጸሎትን ነቒሑ ነበረ(ነህ፩፡፬/1፡4)። እዚ ዝገበረሉ ግዜ ግና ኣብ ትሕቲ ናይ ፋርስ ንጉስ ኮይኑ ዘድልዩ ኩሉ እንዳ ረኸበ ከሎ ኢዩ፡ እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ወገናቱ ክጭነቑ ክጭነቑ፡ ብሓዘኖም’ውን ክሓዝን ስለ ዝግብኦ ነህምያ ከምኡ ገበረ፡ ከመይ  ኣብ ቤት መንግስቲ ምንባር ማለት ዝወደቑን ዝተዋረዱን ምርሳዕ ማለት ስለ ዘይኮነ። ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ሓደ ካብቲ ቅዱሳን ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ዝገበሮም እዚ ኢዩ። ስለ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሕነት ጥራሕ ዘይኮነ ስለ ናይ ሓጥኣን ድሕነት ክብሉ ዘመን ብምሉኡ ናብ ኣምላኽ ለሚኖም፡ ብጾምን ብጸሎትን ንስግኦም ኣድኪሞም ኢዮም።

vካብቲ ብሓጎስን ብጽጋብን ዝተማሃርዎ ትምህርቲ እቲ ብመከራን ብሕሱም ናብራን ዝተመሃርዎ ዝያዳ ስለ ዝጠቕሞም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ብጾምን ብጸሎትን ምስ ዝኸውን ንናይ ስጋ ፈተና ኣድኪሙ ንነብሲ ስንቂ ይኸውን። እንተዘይኮነ ግን  ከም ተራ ትምህርቲ ንፍልጠት እምበር ሕይወት፡ ምጽናዕ እምበር ተግባር ኣይከውንን።

vመከራ ኣብ ዝበሓሉ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ይበዝሕ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓበየ”(ሮሜ፭፡፳/5፡20) ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ማለት ሓጢኣተኛታት ኣብ ዝበዝሕሉ፡ መከራን ስደትን ፈተናን ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ኣብ ዝበዝሕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። በዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ብዙሕ መከራ ይመጽእ፡ በቲ ዝመጸ መከራ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ብዙሕ ጸጋ ይረኽቡ። ኣቦና ኖህ ላግጽን ጸርፍን ናይቶም ኣብ ኣዝዩ ክፉእ ዝኾነ ርኽሰት ወዲቑ ዝነበሩ ናይ ዘመኑ ሰባት ብሃይማኖት ጸኒዑ ስለ ዝተረኽበ “ጻድቕ” ተባህለ(ዘፍ፮፡፰/6፡8)።

ኣብ ናይ ባቢሎን ቤተ መንግስቲ ዝነበረ መግቢ  ብሕጊ ሙሴ ዘይተፈቕደ ኢዩ። ስለዚ ኢዮም ከኣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ዘይተፈቕደሎም መግቢ ገዲፎም ንዝተፈቐደሎምን ዝተኣዘዘዎን መግቢ ክበልዑ ዝወሰኑ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ኩሉ ድማ ክውሰኸልኩም ኢዩ” ዝብል ናይ ወንጌል ሕጊ ተግባራዊ ገይሮሞ ሓለፉ(ማቴ፮፡፴፫/6፡33)።

vእዞም ሰለስተ መንእሰያት ዋላ እኳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ይንበሩ እምበር ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኢዮም። ስለዚ ጣዕሚ መግቢ ናይ ንጉስ ኣብ ምርኮ ምህላዎም ከየረስዖም ሓሰቡ። እስራኤል ኣብ ምርኮ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ካብ መቕዘፍቲ ናይቲ መልኣኽ ዝደሓንሉ እንሆ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዞም ነቲ ተባዕታይ በጊዕ ሓሪዶም ኣብ ልዳቶም ደም ምስ ገበሩ ኢዩ። እንተኾነ ነቲ ስጋ ጥራሕ ብልዕዎ ተባሂሎም ኣይተኣዘዙን እንተኾነ ግን ነቲ ስጋ ምስ መሪር ሓምሊ እምበር(ዘጽ፲፪፡፩-፲፬/12፡1-14)። በጊዕ ናይ ናጽነቶም እቲ መሪር ሓምሊ ድማ ናይ መከራ ዘመኖም ምእንቲ ክዝክሩ ኢዩ ነይሩ። እዞም ስለስተ መንእሰያት’ውን ከምኡ ገበሩ፡ ጣዕሚ ናይ ንጉስ መግቢ ኣበዩ፡ ብእምነት ስለ ዝገበርዎ ከኣ ገለ እኳ ኣይጎዶሎምን።

ስለስተ መንእሰያትን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ

ሰለስተ መንእሰያትን ቅዱስ ገብርኤልን ዘረኣኸቦም ቅዱስ ገብርኤል ብረድኢት ሰለስተ መንእሰያት ድማ ብእምነቶም ምኽንያት ኣብ ሓዊ ስለ ዝተደርበዩ ኢዩ። እዞም ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ብኹሉ ኣካይድኦምን ጥበቦምን ዝወዳደሮም ዘይነበረ መንፈሳውያን ሰባት ብምንባሮም እቶም ሹማምንቲ እታ ሃገር ብኣካይድኦምን ምሩኻት ክንሶም ብዝረኸብዎ ልዕልናን ኣዝዮም ቀንእሎም። ንንጉስ ድማ ምስሊ ወርቂ ከዳሉ ነቲ ዘቖሞ ምስሊ ዘይሰገደ ድማ ናብ እቶን  ሓዊ ክድርበ ኣማኸርዎ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ ቀልጢፉ ድማ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ። ብዙሓት ሰባት ንትእዛዙ ፈሪሖም ክሰግዱ ከለዉ እዞም መንእሰያት ግና “ኦ ንጉስ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ግሁር እቶን ሓዊ ከናግፈና ይኽእል ኢዩ፡ ንሱ ከናግፈና እንተ ዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከምዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ’ውን ከምዘይንሰግደሉ ፍለጥ” በልዎም(ዳኒ፫፡፲፯/3፡17)። እንሆ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ጥራሕ ናብቲ ግሁር ሓዊ ተደርበዩ። እቲ ግሁር ሓዊ ኣዝዩ ብርቱዕ ረስኒ ስለ ዝነበሮ ነቶም ብጉልቦቶም ተመሪጾም ነቶም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእስሩ ናብ እቶን ሓዊ ዝደርበዩ ሰባት በቲ ረስኒ ከም ዝሞቱ ኮኑ። ንጉስን ሹማሙንቱን በቲ ዝተገብረ ነገር ብፍጹም ሓዊ ክበልዖም ኢዩ ብዝብል እምነት ናብ ቤቶም ተመልሱ። እንተኾነ እቲ ኣብ ዓለመ መላእክት ንቅዱሳን መልእክት ዘረጋግአ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ኣብ ማእከል እቲ እቶን ሓዊ ካብ ሰማይ ብፍጥነት መጺኡ ክመላለስ ተራእየ። እንዳ ጸለዩ ኣብ እቶን ሓዊ ዝጸንሑ መንእሰያት ቅዱስ መልኣኽ ካብ ኣምላኽ ተላኢኹ ከጻናንዖም ተረእየ። ነዚ ዝረኣየ ንጉስ ኣዝዩ እንዳ ተገረመ “እንሆ ኣብ ማእከል ሓዊ ኣርባዕቱ ፍቱሓት ሰባት ክመላለሱ ይርኢ ኣለኹ” በለ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ኣብድናጎ ኣቱም ባሮት እቲ ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ” እንዳ በለ ጨርሐ(ዳኒ፫፡፳፮/3፡26)። ብረድኤት ቅዱስ ገብርኤል  ተሓልዮም ዝጸንሑ ናይ እምነት ሓርበኛታት ዝኾኑ ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ካብቲ ዝነበርዎ እቶን ሓዊ ወጹ። እቲ ዘደንቕ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣሕዛብ ግልጺ ኮይኑ ተራእየ፡ ምሕራርስ ይትረፍ ጸጉሪ ርእሶም እውን ጨና ሓዊ ኣይነበሮን። በዚ ዝተደነቐ ንጉስ  ናቡከደነፆር ድማ ኩሉ ሰብ ንኣምላኽ እዞም ቅዱሳን ግሰግድ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ። ነቶም ብሓሶት ከሲሶም ናብ እቶን ሓዊ ከም ዝድርበዩ ዝገበርዎም ድማ ናብቲ እቶን ከም ዝኣትዉ ኮኑ።

እምበርከስ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሕይወትና ዓቢ እጃም ከም ዘለዎም ፈሊጥና፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብመላእኽቱ ክሕልወና ኩሉ ግዜ ብትእዛዛቱ ክንከይድ ይግባእ። ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ኣብ ምድሪ ስደት እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ከለዉ ንሞት ከይፈርሑ፡ ጣዕሚ መቐረትን ናይ ንጉስ መግቢ ከየጋገዮም ንርኽሰት ፈንፊኖም ብሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝኸዱ፡ ብእምነቶም ድማ ክሳዕ ሞት ፍቓደኛታት ኮይኖም ብጽንዓት ስለ ዝወጹ ቅዱስ እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ዘናገፎም። ሎሚ’ውን ብፍላይ እዞም ኣብ ስደት እንነብር ዘለና ካብዚ ጽንዓት ናይዞም መንእሰያት ተማሂርና ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ ሕይወት ፈተና’ውን እንተኾነ ጽኑዓት ክንከውን ይግብእ። ጣዕሚ ዓለም፡ ሓይሊን ም ፍርራሕን ዓላውያንን ከሓድያንን ከይፈራሕና፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ልብና ገይርና ክንጓዓዝ፡ ናይ ሃይማኖት ሰባት ክንከውን ብግዜ ሓጎስ ይዂን ሓዘን ኣብ ኩሉ መድረኽ ሕይወት እሙናት ክንከውን ይግባእ። እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ስደትና ኣብ ሃይማኖትና ጠጠው እንብል፡ ብግብሪ ጽድቂ ዝተሸለምና፡ ኣብ ሕጊ ኣቦታትና ዝጸናዕና ክንከውን ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹን።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘለኣለም ኣይፈለየና። ኣሜን!!!   

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!