ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል

ነገረ ቅዱሳን December 8, 2013

Filed under: ነገረ ክርስቶስ,Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 4:12 pm

ነገረ ቅዱሳን.

ኅዳር፳፱–ዕረፍቱ ለቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ  ሰማዕት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣብኡ ቴዎድሮስ ይበሃል፡ ሊቀ ካህናት ነበረ። ኣዲኡ ከኣ ሶፍያ ትበሃል።

ኣዲኡ ኣብ ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን  ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስን ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ክትጽሊ ከላ ካብቲ ስእሎም “ናይ እግዚኣብሔር ሕሩይ ዝኾነ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ስሙ ከኣ ጴጥሮስ ኢልኪ ስመይዮ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። ብድሕሪዚ ሕጻን ወዲ ወለደት እሞ ከምቲ ዝተነግራ ከኣ “ጴጥሮስ” ክትብል ሰመየቶ። ብመንፈሳዊ መገዲ፡ ንእግዚኣብሔር ዘግልግል ኮይኑ ድማ ዓበየ። ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ክመሃር ድማ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ሊቀጳጳሳት ዝነበረ ኣባ ሳሙኤል ኣረከብዎ። ኣባ ኣሳሙኤል ድማ  ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ሚሂሮም ክሳዕ ማዕርገ ቅስና ኣብጽሕዎ። እንሆ ቅድሚ  ሞቶም “ካባይ ቀጺሉ ዝሽየም ንሱ ኢዩ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ ድማ እግዚኣብሔር ከም ቃሎም መሰረት ናይ መንበረ ማርቆስ መበል 18 ሊቀ ጳጳሳት ኮይኑ ተሸመ።

ምስኡ  አኪላስ፡  እለእስክንድሮስ፡ ኣርዮስ ዝኣመሰሉ ደቂ መዛሙርቲ ነበርዎ። ታሪኾም ንምልዓል ድኣ እምበር ደቂ መዛሙርቱስ ንሳቶም ጥራሕ ኣይነበሩን። ኣርዮስ ዓዱ ሊብያ ኢዩ ኣብ ግብጺ መጺኡ ከኣ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ይመሃር ነይሩ። ሓደ ግዜ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣትዩ  ጥበበኛ ሰሎሞን ካብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከንብብ ከሎ “ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ  ኣብ ከመ እኩን መቅድመ ኩሉ ተግባሩ”(ምሳሌ፰፡፳፪/8፡22) ዝብል ቃል ረኸበ። ስለ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነት ይጠራጠር ስለ ዝነበረ፡ “ጥበብ ዝተባህለ ወልድ ኢዩ ስለዚ ወልድ ናይ ኣብ ፍጡር/ሎቱ ስብሓት/ ኢዩ” እንዳ በለ ክምህርን ክከራኸርን ጀመረ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ሊቀጳጳሳት ጴጥሮስ በጽሐ ንኣርዮስ ጸዊዑ ከኣ ኣዘራረቦ እንሆ  “ገዲፈዮ ኣለኹ” ኢሉ ከደ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ምንፍቕናዊ ትምህርቱ ክገድፎ ኣይተራእየን እኳ ድኣ ኣብ ዝኸዱ ኩሉ “ወልድ ፍጡር/ሎቱ ስብሓት/ ኢዩ” እንዳ በለ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ምምሃር ቀጸሎ። ብዙሕ ግዜ ተመኺሩ ምስማዕ ስለ ዝኣበየ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ  ንክህነቱ ስዒሩ ኣሰሮ ብድሕሪኡ ዝፈትሖ ከይርከብ ከኣ ነቶም ደቂ መዛሙርቲ ነገሮም።

ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ንክርስቲያን ብጃምላ ብስሕለት ሴፍ ኣብ ዝቐትለሉ ዝነበረ ዘመን “እንሆ ንመዓልቲ ኣሽሓት ሰብት ይቕተሉ ኣለዉ እንተኾነ መሊሶም ከኣ ይበዝሑ ኣለዉ እዚ ከመይ ኢዩ፧ እንታይ ኢዩ ነገሩ፧” እንዳ በለ ክጭነቕ ጀመረ። ኣማኸርቱ ድማ “ንስኻ ሽሕ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ክርስቲያን ቀቲልካ ክትውዕል ከለኻ ክልተ ሽሕ ኣእሚኑ፡ ኣጠሚቑ ዝውዕል መምህር ኣለዎም” ክብሉ ተዛረብዎ። ንሱ ድማ “መን’ዩ” ክብል ሓተቶም። ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ኢዩ ክብሉ ድማ መለሱ። እንሆ ቅተልዎ ኢሉ ሰራዊት ለኣኸ።

ነዚ ዝሰምዐ ኣርዮስ ንአኪላስን ንእለእስክንድሮስን ምስ መምህረይ ጴጥሮስ ኣተዓርቑኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ከይዶም “ክቡር ኣቦና ተጣዒሰ ኢየ ኩሉ ገዲፈዮ ኣለኹ ይብል ኣሎ እሞ መሓርዎ፡ ፍትሕዎ” እንዳ በሉ ናብ ሊቀጳጳሳት ቀረቡ። ” እምበኣር ተጣዒሰ ኢየ ንዝብለ እትብሎ ነገር የለን እንተኾነ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክንዘራረብ ቆጸሮ ንሓዝ” ኢሎም መዓልቲ ቆጺሮም ኣፋነዎም። በታ ለይቲ እቲኣ ክብሪ ንዕኡ ይኹን ኣምላኽናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ በኣምሳለ ሕጻን ኮይኑ ዝተቐደደ ልብሲ ለቢሱ ርእሱ ሒዙ ክሓዝን ንሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ተራእዮ። ጎይታ ምዃኑ ፈሊጡ “ኦ! ጎይታ መኑ ሠጠጣ ለልብስከ— ጎይታይ ንክዳንካ መን ቀደዶ” ክብል ሓተቶ። “ኣርዮስ ቀዲዶ ካብ ካብ ናይ ባህሪይ ኣቦይ ካብ ኣብ ካብ ናይ ባህርይ ሕይወተይ ካብ መንፈስ ቅዱስ ፈለየኒ ወእምኔሁ ተዐቀብ ዘይምለስ መናፍቕ ኢዩ እሞ ካብ ውግዘቱ ከይትፈትሖ” ክብል ተዛረቦ፡ ካብዚ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ክሳዕ ምጽኣቱ ዝኸውን ኩሉ ነገሮ።

ዝሓዝዎ ቆጸራ ምስ ኣኸለ አኪላስን እለእስክንድሮስን ንኣርዮስ ሒዘሞ ናብ ሊቀ ጳጳሳት መጹ፡ ኣርዮስ ሓደ እግሩ ኣብ ውሽጢ ቤት ሓደ እግሩ ድማ ኣብ ደጌ ጌና ናብ ውሽጢ ከይኣተወ “ውጉዝ ኣርዮስ በሰማይ ወበምድር” ኢሉ ወገዞ ብኡ ንብኡ ከኣ በሪሩ ከደ፡ ነዚ ዝረኣዩ አኪላስን እለእስክንድሮስን ደንጊጾም ጠጠው በሉ። “ደቀየ ንምንታይ ደንገጽኩም፡ እንታይ’ከ የደንግጸኩም፧” ክብል ተዛረቦም። “ንሕና ካብ ስሕተቱ ተመሊሱ ምሳኹም ክዕረቕ ካብ ውግዘቱ ክፍታሕ ኣምጺእናዮ ድኣ እንታይ ኮይና ዘይንስብድ” ክብሉ መለሱ። ፍቓድ ኣምላኽ ክትፍጽሙ ይግባእ ኢዩ፡ ኣነ መዓልቲ ዕረፍተይ ኣኺሉ ኢዩ እንሆ ከኣ ኣኪላስ ብድሕረይ ክሽየም ኢዩ እንተኾነ ንሱ’ውን እንተኾነ ብውዳሴ ኮንቱ ተጠሊፉ፡ ብፈታዊኡ ብፍቕሪ ኣርዮስ ተደናጊሩ ንኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ክፈትሖ ናብ ሽመቱ ከኣ ክመልሶ ኢዩ፡ ብኸምዚ ከኣ ቀልጢፉ ክቕዘፍ ኢዩ። ብድሕሪ አክሊሳ እለእስክንድሮስ ክሽየም ኢዩ፡ ኣብ ዘመኑ ዓቢ ጉባኤ ክኸውን ኢዩ፡ ሕፍረት ኣርዮስ ከኣ ሽዑ ክቕላዕ ኢዩ” ክብል እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተገልጸሉ ቃል ነገሮም።

ብድሕሪ’ዚ ዲዮቅልጥያኖስ ዝለኣኾም ወተሃደራት ናብቲ ዝነበሮ ቦታ መጹ። ምእመናን ኣዚዮም የፍቅርዎ ስለ ዝነበሩ ለይትን ቀትርን ንሊቀ ጳጳሳት ጴጥሮስ ይሕልውዎ ነበሩ። ብኣይ ምኽንያት ብኾንቱ ደም ክፈስስ የብሉን ብምባል ኣብቲ መቓብር ናይ ቅዱስ ማርቆስ ከይዱ “ኦ! እግዚኦ ርስያ ለዛቲ ደምየ ተፍጻሜተ ደመ ኩሎሙ ሰማዕተ አንጾኪያ” እንዳ በለ ክጽ ጀመረ። እዚ ዝበለ ግን ብድሕሪኡ ስለ ወንጌል ክብሉ ሰማዕትነት ዝቕበሉ ከይህሉ ወይ’ውን ሰማዕታት ከይብሃሉ ንማለት ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ዘመን እቲ ዝነበረ መሪር መከራ ከቢድዎም ንኸይክሕዱ ካብ ዝብል ሓሳብ ኢዩ። ነቲ ዝበሎ ምላሽ ድማ “ኣሜን ይኩን በከመ ቃልከ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰምዐ።

በዚ ሰዓት እዚ ምእመናን ኣብ ቤት ኣእትዮም እንዳ ሓለውዎ ከለዎ፡ ንሳቶምደኺሞም ስለ ዝነበሩ እንሆ ክሳዱ ብመስኮት ኣስሊኩ ኣውጺኡ ነቶም ንክርስቲያን ዝስይፉ ዝነበሩ ናይ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ልኡዃት ሃቦም ንሳቶም ድማ ክሳዱ ሰየፍዎ። “አስሐወ ሎሙ ፊቃሮ ቅድስት ወመጠዎሙ ክሳዶ ክብርተ ለጋላት” ከም ዝብል።

ጸሎቱን በረኸትን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!      

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

 

Leave a comment