ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል

ፈራህ ኣይጸድቕ፡ዕዉር ኣይነድቕ March 25, 2013

Filed under: ስብከት — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 8:59 am
Tags: , , ,

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

 ፈራህ ኣይጸድቕ፡ዕዉር ኣይነድቕ

ቀዳሞት ኣቦታትና መጽሓፍዊ ዝኾነ  ምስላ ክምስሉ ከለዉ “ፈራሕ ኣይጸድቕ፡ዕዉር ኣይነድቕ ” ይብሉ ነበሩ።ግና ነዚ ዕዉር ዝብል ቃል ከመይ ዝበለ ዑረት እዩ ናብ ዝብል ሕቶ ክንኣቱ  ከሎና ዕዉር  ዝበሃል  ምንምኳ ዓይኑ ጠፊኡ ምርኣይ ስኢኑ ዝነብር ሰብ ጥራይ ዝመስሎም ይህልዉ ይኾኑ፡ግና  ዕዉር ዝባሃል ውሽጣዊ ዓይነ ልቦንኡ  ዝጠፍኤ፡ዝሓለፈን ዝመጽእን ዘይሓስብ ብትምህርቲ ዘይፍወስ ዑረት ልቢ  ክነብሮ ከሎ እዩ እምበር ፡ኣፍኣዊ ዓይኒ ስኢኖም  ውሽጣዊ ዓይኒ ዘለዎም ካብ ርእሶም  ሓሊፎም ብትምህርቶምን  ብፍልጠቶምን  ነቶም ዓይኒ ኣሎና ዝብሉ ዝመርሑ ብዙሓት እዮም። ኮኾብ ዝመስል ኣፍኣዊ ዓይኒ ዘሎዎም ሰባት ብ ኣጻብዖም ክፍርሙ ከለዉ ኣፍኣዊ ዓይኒ ዘይብሎም  ውሽጣዊ ዓይኒ ዘለዎም ግና  ብኢዶም ጽሒፎም ብኢዶም ዘንብቡ ብሒደቱ ዝፍቀዱ ኣይኮኑን።በዚ ዝተዋህቦም ውሽጣዊ ዓይነ ልቦና እውን ተማሂሮም ክሳዕ ፕሮፌሰርነት ዝበጽሑ ከምዘለዉ  ብዓይንና ንርኢ ኣሎና። እንተኾነ ግዳ  ጥዑይ ይኹን ዓይነ ስዉር  በቲ ዝተዋህቦ ጥበብ ዘይምምሃሩ እዩ።

ፈራሕ ኣይጸድቕ ፡ዕዉር ኣይነድቕ ተባሂሉ ክልተ ኣርእስቲ ሒዙ  ኣሎ።እዚ ኣቶም ካኣ ፈራሕን ዓይነ ስዉርን ዝብሉ እዮም።ዓይነ ስዉር ከመይ ምዃኑ ተዛሪብና ኣሎና ፡ሕጂ ፈራሕከ ናብ ዝብል ንኸይድ።ፍርሃትን ትምህርትን  ክልቲኦም  ፈጺሞም ዝተራኸብሉ መገድን ዝቀራረብሉ ዝምድናን የብሎምን።ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ እዮም፡ንምንታይ እንተ ተባህለ ዝተማህረን ብስነ ጥበብ ዝበሰለን ሰብ ምንም እኳ  እንተ ተማህረን  ብጥበብ እንተ ተራቐቐን  እንተኾነ ግና ፍርሃት እንተድኣ ሃልይዎን ብፍርሃት ዝተዋሕጠ እንተ ድኣ ኮይኑን  ነቲ ብሱል ብርሃን ትምህርቱ ናብ ሰብ እንተ ዘይተሓላሊፍዎ  ኣብ ትሕቲ ስጉርፍኦ  ከምዘሎ መብራህቲ እዩ ዝቑጸር እምበር ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ተቐሚጡ ብብርሃኑ ከም ዘገልግል   መብራህቲ ኣይኮነን።ንኣብነት ላምባ ነዳዲ እዩ ግና  ማይ እንተ  ድኣ ተሓዊስዎ  ጭልምልምል ክብል እዩ ዝርኤ ።ፍጹም ብርሃን እና  ሃበ ንሰብ ከገልግል ኣይክእልን’ዩ። መንፈስ ፍርሃት ዝሓደሮ ልቢ እውን ካብዚ ዝኸፍኤ እምበር ካብዚ ዝሓይሽ ኣይኮነን። ብፍርሃት ስለ ዝወሓጥ እቲ ብርሃን ትምህርቱ  ተኸዲኑን ተዓጺፉን እዩ ዝነብር፡ ግና  መጽሓፍ ሞያን ቁም ነገርን ክፍለጥ ዝኽእል ተገሊጹ ክንበብ ከሎ እዩ።ዘይተነበ እንታይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣይከኣልን እዩ። ምሁር እውን ዝኣክል ትምህርቲ ተማሂሩ ከብቅዕ  ብዝግባእ ናብ ህዝቢ እንተ ድኣ ዘይተሓላሊፍዎ  ኣብ ልቢ ምእመናን ተዘሪኡ ክበቁልን  ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ትምህርቲ ሃይማኖትን  ከፍሪ ኣይክእልን’ዩ።ብፍርሃት ቀምሲሉን   ጸምልዩን እዩ ዝተርፍ።  ሓደ ምሁር እየ ዝብል ሰብ ብዕላምኡ ጸኒዑ  እንተ ዘይሰሪሑን በቲ ሕዚዎ ዘሎ ሞይኡ ዘይተ ኣማመን እንተድኣ ኮይኑን ብ ኣእምሮ ሰብ ተመሪሑ እንተድኣ ከይዱ ናዩቲ መራሒኡን  መኻሪኡን ኣገልጋሊ እዩ ወይ ናቱ ግዙእ እምበር ርእሱ ብርእሱ ተኣማሚኑ  ቤቱ ዘመሓድር ሰብ ከምዘይኮነ እዩ ዝእመን።ወንጌላዊ ዮሃንስ እውን “ዘይገብራ  ለሓጢኣት  ገበራ ውእቱ ለሓጢኣት ፡እቲ ሓጥያት ዝሰርሕ ናይ ሓጥያት  ባርያ እዩ ዝኸው”(ዮሃን8፡34) ኢሉ ኣሎ።

ኣየ ሰብ! ኣየ ሰብ ኮንቱ ሰይጣን ዝኣክል ጸላኢ ፡ገሃነመ እሳት ዝኣክል በላዒ  ፡ሲኦል ዝኣክል ጉድጓድ ፡ሓጥያት ዝኣክል እውን ጉድ ረሲዕካ ነቲ ሞትን ሂወትን ሓውን እሳትን ኣብ ኢዱ ዘሎ ኣምላኽ  ሓዲግካ ንሰብ ክተቐይምን ንእግዚኣብሄር ክተሐዝን ምንባር ብሓቂ ተፈጥሮኻ ምዝንጋዕ እዩ።እወ ሕጂ እውን ነቲ  መሰታን  ተመጣጣንን ዘይርከቦ ጸበባ ሰብ ዘቃልል ሽግር እውን  ዘወግድ ዝተዓጽወ ዘርሑ ልዑለ ባህርይ  እግዚኣብሄር ረሲዕካ ልቡ  ብዝሓሰቦ ኣፉ ብእተዛረቦ ዝኸይድ ሰብ  ናይ ብሓቂ ህሉው እዩ ክበሃል ኣይክእልን እዩ።ምክኛይቱ ድም ህሉው ከሎ ዝሞተ እዩ፡ኣብ ልዕሊ መሬት ከሎ እውን ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝተቐብረ እዩ።ስለዚ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሕማም ዝተፈተነ  መድሃኒቱን ዘይጠራጥር ፈውሱን  እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ ምባል ጥራሕ እዩ።እወ ዘሎና መልሲ ካልኣይን ሳልሳይን ዘይብሉ እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ  ዝብል ምሕጽንታ ጥራሕ እዩ።

ናይ ጎይትና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል እውን  እዚኣ እያ ማሌት ናብ ፈተና ከይትወድቁስ ጸልዩ  እግዚኦ መሓረና በሉ(ማቴ26፡41)።ኩሉሳዕ  ካብዚ ብምቕጻል እውን  ንሓደ ሰብ ተጸራሪ እንተ ድኣ ተላዒልዎ  ብዘይካ ጾምን ጸሎትን ክወጽእ ወይ ድማ ክርሕቕ  ከምዘይክእል ብምምልካት “ወይወጽእ ዝንቱ ዘመድ ዘእንበለ በጾም ወበጸሎት፡ናይዚ ዓይነት እዚ ዓሌት  ብዘይ ጾምን ብዘይ ጸሎትን ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።”ይብል።(ማቴ17፡21)።ስለዚ ኣብ ውሽጢ ዓለም ፍቱን መድሃኒት እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉን ብመድሃኒትነቱ ድማ   ዘጠራጥርን እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ ዝብል እዩ።እግዚኣብሄር ብ ኣምላኻዊ  ቃሉ “ረከብክዎ ለዳዊት ገብርየ ብእሴ ምእመነ  ዘከመ ልብየ ” ኢሉ ዝመስከረሉ ቅዱስ ዳዊት እውን  ነዚ እግዚኦ ዝብል ወርቃዊ  ቃለ ተማህጽኖ  ብምግንዛቡ እዩ።እንሆ ኣብዛ ብስሙ ዳዊት ተባሂላ እትጽዋዕ መጽሓፉ  ጥራይ ካብ 197 ግዜ ንላዕሊ “እግዚኦ እግዚኦ ” እና በለ ጠቒስዋ ይርከብ።እዚ ካኣ እግዚኦ መሓረና ማሌት ካብ ክንደይ ፈተና ዝስውርን ካብ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ዝከላኸል  ምኻኑ ብምግንዛቡን ብምርድኡን እዩ።ስለዚ ንሕና እውን  ናይ በዓል ቅዱስ ዳዊት ኣሰር ብምስዓብ እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ካብ  ማሌት ድሕር ኣይንበል።ነዚ ድማ መድሃኔኣለም ክርስቶስ  ዘነቓቕሕ ቅዱስ መንፈስ ይልኣኸለና።ኣሜን!!!

ምንጪ- መርጌታ ክነፈርግብ ማርቆስ (ነሃሴ 2002) ኣስመራ

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

 

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 6:45 am

                በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

              ፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን

   1962781_661538570566161_1307979118589660695_nኣቡነ ሰላማ (ፈረሚናጦስ) መበቆል ዓዶም ሶርያ ካብ ዝኾኑ ምናጦስን ማርያም ሰናይትን ዝተባህሉ ስድራቤት ብ፳፮/26 ሕዳር ኣብ ሃገር ጢሮስ(ግሪኽ) ተወልደ። ኣብቲ ዝተወልደሉ ግዜ ዓቢ ብርሃን፡ ካብ ብርሃን ጸሓይን፡ ወርሕን፡ ኮዋኽብትን ዝበርህ በርሀ። መዓልትን  ለይት ብዘይፍለጥ ከኣ ምድሪ ፈጺማ በርሀት። ምእንቲ ዕብየት ክቡር ልደቱ ሸውዓተ መዓልቲ ንፈጣሪኡ ከምዚ እና በለ ኣመስገነ። “ንኣብ ስግደት፡ ንወልድ ስግደት፡ ንመንፈስ ቅዱስ ስግደት ይግባእ። ንኣብ ምስጋና፡ ንወልድ ምስጋና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ንኣብ ሃሌሉያ ንወልድ ሃሌሉያ ንመንፈስ ቅዱስ ሃሌሉያ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውጽኣኒ” እንዳ በለ ኣመስገነ።

 ብግዜ ልደቱ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣእላፍ መላእክቲ ናብኡ መጸ  እቶም መላእኽቲ’ውን ንኽርእይዎ  ይጨናነቑ ነበሩ፡ ኣዝዮም’ውን ፈተውዎ ሰዓምዎ ድማ። ጎይታ’ውን ሰዒሙ ሓቖፎ ኣዝዩ ‘ውን ፈተዎ በዚ ድማ ጎይታ “እዚ ቁጽሩ ምስቶም ማሕበረ መላእክቲ፡ ምስ ሓይልታት ሰማይ ሚካኤል፡ ገብርኤል፡ ኪሩቤል፡ ሱራፌልን ምስ ኩሎም ሊቃነ መላእክትን ምስ ኣርባዕቱ እንስሳን ምስ ፳፬/24 ካህናተ ሰማይን  ክኸውን እዩ።  ከመይ ኣነ ፈትየዮን ሓርየዮን እየ፡ ንቡዙሓት ኣመንቲ ድማ ብጸሎቱን ብኣማላድነቱን ከድሕን ኢዩ” በለ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ብማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ጢሜትዎስ ተጠመቐ፡ ቅብኣ ሜሮን’ውን ተቐብአ ስሙ ድማ ሰላማ ኢሎም ሰመይዎ። ሰላማ ማለት ትርጓሜ ስሙ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ኮይኑ ሰላም ዝገብር ማለት ኢዩ። ኣቡነ ጢሜትዎስ ድማ እዚ ህጻን እዚ ነዞም ሰብ ኣግኣዚት ብርሃንን መድሃኒትን ክኾኖም ኢዩ እና በሉ ተነበይሉ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ መዝሙር ዳዊትን  ኩሉ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያንን ብሉይን ሓድሽን ምስ ሕጎምን ትእዛዞምን ተማህረ። ክመሃር ከሎ መንፈስ ቅዱስ ብኣፉ ገይሩ ይዛረብ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ብጾምን ብጸሎትን ብፍቕርን ትሕትናን ተጸሚዱ ምግዳል ጀመረ። ወዲ ፲፪/12 ዓመት ምስ ኮነ ድሕሪ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብ፪፻፶፯/257 ዓመተ ምሕረት  ካብ ግሪኽ ናብ ብሔረ ኣግኣዚት ምስ ሓደ ሜሮጰስ ዝባሃል ነጋዲን ኣድስዩስን መጹ።  መልኣከ እግዚኣብሔር እንዳ መርሖም ኣብ ብባሕሪ ብሔረ ኣግኣዚት ብድሓንን ብሰላምን በጽሑ። ኣብኡ ጽቡቕ ርእዮም ከኣ ንሽዱሽተ ወርሒ  ነበሩ። ሜሮጰስ ንዓዱ ክምለስ ምስ ተንስኤ ኣብቲ በረኻ ዝነብሩ ዝነበሩ ሸፋቱ ኣብ ልዕሊኡ ተንስኡ። ሽዑ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኩሎም ቀተልዎም እዞም ናእሽቱ ቆልዑ ግና ብናይ እግዚኣብሔር ጥበብን ሓይልን  ተረፉ። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ማረኽዎም ነቲ ናይ ኣክሱም ንጉስ ዝነበረ ንጉስ ኣልዓሜዳ ድማ ገጸ በረኸት ሃብዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣድስዩስ ሓላዊ ቤቱ ቀጠንን(ቤተ መንግስቲ)ንፈረሚናጦስ ሓላዊ ቤት ሕግን ቤተ ክርስቲያንን ሸሞም።እዚ ከኣ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣጎልጉሎታን  ይፈልጥ ስለ ዘይነበረ ኢዩ።

ge abune selama - Copyኣቡነ ሰላማ(ፈረሚናጦስ) ኣብዚ ከሎ ጽቡቕ ገድሊ ተጋደለ ብብዙሕ ድኻም ነፍስን ስጋኡን ብትእዛዝ ወንጌል ክርስቶስን፡ ሓዋርያትን፡ መማህራንን ተጸምደ። ከም መላእክት ትጉህ ኮነ፡ ብዘይካ ሰንበት ዝኾነ ይኹን ኣይበልዕን ኣይሰትን ነበረ።  ከም ዓንዲ ተተኺሉ ካብ 40,0750–60,000 ይሰግድ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ለውሃት ኣብርሃን ኣጽብሃን ኣብ ዝነገስሉ ግዜ  ንኣቡነ ሰላማ ኣዝዮም ፈተውዎ። ዘወትር ድማ ናብኡ ይምሕጸኑ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣቡነ ሰላማ(ፈረሚናጦስ) ምስ ቅዱስ ሚናስ ድሕሪ ምርኻቡ  ብዛዕባ ኣብ ብሔረ ኣግኣዚት ዝነበረ እምነት ክርስቶስን ግዝረትን ድሕሪ ምድናቕ ብዛዕባ ጥምቀትን ግዝረትን ተዘራሪቡ በዚ ድማ ቅዱስ ሚናስ ንኣቡነ ሰላማ ናብ ግብጺ ከይዱ ጵጵስና ከምጽእ ሓተቶ። ኣቡነ ሰላማ እዚ ሓሳብ’ዚ ሰናይ ምዃኑ ድሕሪ ምሕሳብ ንመንገዲ ተዳለወ። ደቂሱ እንከሎ ድማ እግዝእትነ ማርያም ብሕልሚ ተገልጸትሉ እሞ  “ቅስናን ዲቁናን ተቐቢልካ ኢኻ ንጵጵስና ክትዳሎ ዝግብኣካ ኢዩ ከመይ ነዘን ዓበይቲ ማዕርጋት እግዚኣብሔር ሂቡካ ኢዩ፡ ፍቁር ወደይ ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ከኣ ብሔረ ኣግኣዚት ክድሕኑ ኢዮም። ብቃልካ’ውን ንክርስቶስ ክኣምኑን፡ ክጥመቑን ቁርባን በተን ቅዱሳትን ንጹሃትን ርስሓት ዘይብለን  ኣእዳውካ  ክቕበሉ ኢዮም” በለቶ። እዚ ነጊራቶ ድማ ካብኡ ተሰወረት። ከምኡ ድማ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተራእዩ “ናብ እስክንድርያ ናብ ሊቀ ጳጳሳት  ኣትናትዎስ ኪድ፡  ኣብኡ ከኣ ልዑላት ማዕርጋት ተቐቢልካ ነዞም ሰብ ኣግኣዚት ነዞም ዘፍቁሩኒ ከይረኣዩኒ ዝኣምኑኒ ንወላዲተይ’ውን ዘፍቅርዋ ኣጥምቅ” በሎ። ብድሕሪ’ዚ ኣባ ሰላማ (ፈረሚናጦስ) ካብ ምድቃሶም ነቒሖም ናብቶም ለውሃት ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን  ብምኻድ ኩሉ ዝረኣዮ ገለጸሎም። እቶም ለውሃት ነገስታት ድማ ኣዝዮም ተገረሙን ተሓጎሱን ብጣዕሚ ዘረብኡ ድማ ተደነቑ’ሞ ካብ ቃልካ ኣይነውጽእን ኢና ከመይ ንስኻ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኢኻ ብምባል ካብ እስክንድርያ ጵጳስና ከምጽኣሎም ስልጣን ሃብዎ። ንስንቁ ዝኸውን ወርቅን ብሩርን መጠን ትሽዓተ ዕዳጋ ዝኣኽሉ ሰራዊት’ውን ምስኡ ልኢኾም ኣፋነውዎ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣባ ሰላማ ኣብ እስክንድርያ በጽሐ። ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣትናትዎስ ድማ ምምጽኡ ፈሊጡ  ብዓቢ ክብርን ምስጋናን ተቐቢሉ እግሩ ሓጸቦ። ለዋህ ስለ ዝነበረ ድማ ልዑል መንበሩ ሃቦ ኣቡነ ኣትናትዎስ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ተቐመጠ። ኣቤት ትሕትና!!!

ኣቡነ ኣትናትዎስ ካብ ብሔረ ኣግኣዚት ከም ዝመጸ ምስ ፈለጠ ስሙ  ካብ ፈረሚናጦስ ናብ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን  ቀየሮ። ትርጉሙ ድማ ከሳቴ ሃይማኖት ማለት ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ መጽሓፈ ስሜት ክህነት ሓዘ ቅብኣ ሜሮን’ውን ቀብኦ። ኣብ እስክንድርያ ድማ ኣዋጅ ኣወጀ “ኣነ ኣትናትዎስ ንቡጹእ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ብሔረ ኣግኣዚት ጳጳስ ሸይመዮ ኣለኹ”” ኣቡነ ኣትናትዎስ ንብጹእን ቅዱስን ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣመስገኖ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣልባሰ ጵጵስና ኣልበሶ ኣብ ክቡር መንበር ጵጵስና ከኣ ኣቐመጦ። ብድሕሪ’ዚ ኣልባሰ ቤተ ክርስቲያን ንዋየ ቅዱሳት፡ብዙሓት መጻሕፍቲ ተግሳጽን፡ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሎም መጻሕፍቲ፡ ታቦት፡ ሜሮን፡ ጽውኣት፡ ናይ ወርቂ ኩስኩስቲ፡ ስልማት ቤተ ክርስቲያን፡ ጽንሃህ፡ መስቀል ሃቦ።

ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኣትናትዎስ ንብጹእን ቅዱስን ሊቅ ኣባ ሰላማ ሕሩይ ከሳቴ ብርሃን ኣወፈዮ። እንሆ ንዋያተ ቅዱሳን ሂበካ ኣለኹ። እዛ ታቦት ሕጊ ንቅድስት ጽዮን ዘሃገረ ኣግኣዚት  ዘበሰማያት ኣወፊ ኣለኹ። ከመይ ንሳ ካብ ንእስነተይ ተሰፋይን ጸግዐይን  እያ ኢሉ ሰዓሞ፡ ኣእዳዉ ኣብ ርእሱ ኣቐሚጡ ባረኾ። ብድሕሪ’ዚ ጵጵስና ሃቦ። ኢድ ኣቡነ ሰላማ ካኣ ተሳለመ።ሊቀ ጳጳሳት ኣትናትዎስ ካብኡ ተባረኸ ካብኡ ተባሪኹ ብድሕሪ’ዚ ንምኻድ ተንስኤ ብመንፈሳዊ ሰላምታ ክፋነዉ ከለዉ ብዛዕባ ምፍልላዮም ሓዘኑን ንሓድሕዶም በኸዩን። ኣቡነ ኣትናትዎስ’ውን እና በኸየ ናብ ቤቱ ተመልሰ ዝኾነ መግቢ’ውን ኣይጠዓመን።

 ኣቡነ ሰላማ ናብ ግብጺ ዝኸደሉ ግዜ ንኣቡነ ኣትናትዎስ ኣብ መጀመርታ ስሜቱ ብ፫፻፳፮/326 ዓመተ ምሕረት ኢዩ። ኣቡነ ሰላማ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ግብጺ ተቐሚጡ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣጽኒዑ  ኢዮ። ካብ ግብጺ ሰዓብትን ተሓጋግገዝትን ሒዙ  ብምብጋስ ካብ ኑቡያ (ሱዳን) ጀሚሩ እንዳ ሰበኹ  መጺኦም ማለት ብኑቡያ፡ ብማርሳይ ተኽላይ ኣቢሎም እና ሰበኹ ናብ ናግራን(ሳሕል) በጽሑ። ኣብ ኩሉ መንገዶም ተኽሊ ክርስትና እንዳ ተኸለ  እኹል ግዜ መዲቡ  ሰፊሕ ዕማም  ሒዙ መዓርጋትን ሚስጢራትን ቤተ ክርስቲያን እንዳ ኣመዓራረየ ብቑዕ ፍረ ሃይማኖት ኣፍረየ። ብድሕሪ እዚ ካብ ብሔረ ናግራን  ናብ ብዘላ ዞባ ዓንሰባ ናብዚ ሕጂ ገዳም  ደብረሲና ተባሂሉ ትጽዋዕ ዘላ ደብሪ በጽሐ። ኣብዚ ገዳም’ዚ  ምስ ኣተወ  ናብቶም ለዋሃት ነገስታት ኣብርሃን  ኣጽብሃን ምምጽኡ ኣብ ገዳም ደብረሲና ከምዘዕረፈ  ለኣኽሎም። እቶም ለውሃት ነገስታት እዚ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ተሓጎሱ ንወላዲት ኣምላኽ ድማ ኣመስገንዋ። ንኽቅበልዎ ንገዳም ደብረሲና ተበገሱ። ድሕሪ ፹/80 መዓልቲ ገዳም ደብረሲና  ኣተዉ እሞ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ ሰላማ ወዲቖም ድማ ሰገድሎም። ኣቡነ ሰላማ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣብታ ቦታ ብዘይ ምቁራጽ ንኣርባዓ መዓልቲ ኣጠመቐ። ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ጎይታ ኣብ ልዕሊ ገዳም ደብረሲና ወረደ ኣብ ስጋኡን ደሙን ካህን ኮይኑ ቀደሰ። ኣቡነ ሰላማ ድማ ነቶም ሕሩያት ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን ካብ ቅዱስ ስጋኡን ካብ ክቡር ደሙን ሃቦም። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሚኖም ተጠምቑ። ድሕሪ’ዚ ኣቡነ ሰላማ ምስቶም ለውሃት ነገስታት ኣብዚ ቦታ እዚ ፻፷/160 መዓልቲ ጸንሑ። ድሕሪ’ዚ ኣቡነ ሰላማ ምስቶም ነገስታት ናብ ኣኽሱም ንኽኸይድ ተበገሰ  እንተኾነ ግና ጌና ካብ ኤርትራ ከይወጹ ከለዉ እዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዛግር ዘሎ ደብረ ኣቡነ ሰላማ ከሰቴ ብርሃን  ምስ በጽሐ ታቦት ናይ ቅዱስ ሚካኤል፡ ሓደ መስቀል፥ ሓደ ኩስኩስቲ መሕጸቢ ኢድ ዝኽውን፡ ጽንሃ፡ ኣልባስ ተክህኖ ሃቦም። እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዛግር ኣሎ።

ኣቡነ ሰላማ ምስቶም ንሓገዝ ስብከተ ወንጌል ኣሰንየሞም ዝመጹ ሰብ ጽቡቕ ድልየት ግብጻውያን ተማሊኦም ዝመጹን ድሓር ብኣምስሉ ዝተቐረጸን ናይ ኣቡነ ሰላማ ዝበሃል ንዋያተ ቅዱሳን ኣብ ሃገርና ኤርትራ በብኸባቢኡ ብስሞም ዝጽዋዕ ዓድታትን ቦታታትን ቀዳሞት ኣድባራትን ቀወምቲ ኮይኖም ምህላዎም መርኣያ ናይቲ ዓቢ  ኣበርክትኦምን መንፈሳዊ ቁም ነገሮምን እዩ።

        ወኣባ ሰላማ ሰበከ በህየ(በድባርዋ) ሃይማኖተ ክርስቲያን

       ወኣብርሀ ወኣጽብሐ ነግስታት ኣኃው ፍቁራን ሐነጹ

       በድባርዋ ቤተ ክርስቲያን፡ ወይእቲ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚት

ንሱ ምስ ደቂ ሃገር ብምትሕበር መጽሕፍቲ  ሓድሽ ኪዳንን፡ ጸሎተ ቅዳሴ እግዚእ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ሓዋርያት፡ ጸሎት ኪዳናትን ካልኦት መጻሕፍቲ ሃይማኖትን ካብ

      በምህሮ ወንጌል  ሰይፍ ለጉንደ  ኃጢኣት ይግዝሞ

     ኣባ ሰላማ ገንጻሌ መጽሕፍት ዘበተርጉም (መልክዓ ሰላማ)

ኣቡነ ሰላማ ፊደላት ግእዝ ኣናበብቲ(vowels) ወይ መድመጽያን ነጥብታቲ ገበርሎም። ጽሑፍ ግዝእ ብቑጽርን ብድምጽን ነጥብታት ተገይርሎም ተመሓየሸ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ካብ ዝተተርጎመሉ ግዜ ጅሚሩ ቋንቋ ግእዝ ወግዓዊ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ። ፊደል ግእዝ ካብቲ ዝነበሮ ፊደል ሰባውያን  ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ ተፈልዩ ብቑጽርን መልክዕን ተመሓይሹ ናይ ቀደም መንገዲ ገዲፉ ካብ ጸጋም ናብ የመን  ክጽሓፍን ክንበብን  ጀሚሩ።

ኣብ ግዜ ምትርጓም መጻሕፍቲ ኣቡነ ሰላማ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ነጥብታት ከም ዝላገብ ገበሩ። እዚ ድማ ካዕብ፡ ሣልስ፡ ራብዕ፡ ሓምስ፡ ሳድስ፡ ሳብዕ ዝብሉ ለወጥቲ ድምጺ ወይ ድማ መድምጻን ተማህዘ።

      ወአምጽኣ ለነ ሰላማ ጳጳስ ፊደል አምሕርክትያኑስ ወሜጠሙ

       በአሐዱ ልሳን ወእሙንቱ ሰብዓቱ ፊደላት

እዚ ድማ ትርጉሙ ጳጳስ ሰላማ(ምልክት) ኣምሳል ፊደል  ኣምጺኡ ብሓደ ፊደል ናብ ሸውዓተ ፊደላት(መድምጻን) ቀየሮም ይብል። እዚ ድማ ዝነበሮ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገልጽ ኢዩ።

ኣቡነ ሰላማ ካብ ገደም ደብረሲና ተበጊሱ ምስቶም ለውሃት ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዓዙ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ከጠምቕ ጀመረ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣዝዩ ብዙሕ ሕዝቢ ክሳዕ 80,000(ሰማንያ ሽሕ) ዝበጽሕ  ምስ ኣጥመቑ ጸሓይ ክትጽልምት ደለየት እሞ ብጸሎቱ ከምቲ ነቢይ ኢያሱ ኣብ ጊብዖን ንጸሓይ ደው ዘበለ ንሱ’ውን ብጸሎቱ ንጸሓይ ደው ኣበላ። ካልእ ግዜ’ውን ኣብ ጎጃም ነቶም ህዝቢ ክምህርዎምን ክገንሕዎምን ከለዉ ምድሪ ስለ ዝመሰየ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ነታ ጸሓይ ቁሚ፡ ጽንዒ ኢሉ ብትእምርተ መስቀል ጠቐሳ። ሽዑ እግዚኣብሔር ኣብ ኣርባዕተ ሕብሪ ዘለዋ ደመና ኮይኑ ንብጹእ ኣቡነ ሰላማ ተዛረቦ። ከምዚ ድማ በሎ “ሰላማ ሕሩይ ንሰብ ኣብ ልዕሊ ለውሃቱ ትሓዝነሉ ብለውሃቱ’ውን ተኣዛዚ ከም ኣብርሃም፡ ብትዕግስቱ ከም ኢዮብ፡ መፍቀሪ ኣምላኽ ብሃይማኖቱ ሰላማ፡ ሰላማ፡ሰላማ ሰላማዊ  ስራሕካ ርእየ ተደንቕኩ ግብርኻን ትምህርትኻን ክሳዕ ትፍጽም መሃር ንጸሓይ ግና ካብ ማእሰርቲ ስልጣንካ ፍትሓያ ናብ ምዕራብ ትእቶ ነቶም መዓልቲ ጸልማት ዝኾኖም ድማ ተብርሃሎም ሕደጋ”  በሎ። ነዚ ምስ ተዛረበ ድማ ፈትሓ ጽሓይ’ውን ከደት። ካልእ ግዜ’ውን ሰባት ብኽፉእ ሓሳባት ስለ ዝቐንእሉ ንሓደ ቆልዓ ቀቲሎም ንሱ ኢዩ ቀቲልዎ መታን ክበሃል ምስ ሰባት ምእንቲ ከባእስዎ ንርእሲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ትሕቲ መደቀሲኡ  ኣንበርዋ። እቶም ስድራቤት ድማ ወዶም ደልዮም ሰኣንዎ እቶም ክፉእ ግብሪ ዝገበሩ ሰባት ድማ ግብሮም ፈሊጦም ናብ ቤቱ መጺኦም ነቲ ርእሲ ረኸብዎ በዚ ድማ ቀቲልዎ ኢሎም  ስሙ ከኽፍኡ ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊኡ ክለዓሉ ወጠኑ። ኣቡነ ሰላማ ግን ድሓን ኣነ ቀቲለዮ እንተኾይነ ንሱ ይመስክረለይ ብምባል ናብቲ መቓብር ከዱ።ብድሕሪ’ዚ ኣታ ህጻን ምስክር ኩነኒ ብምባል ተዛረብዎ። እቲ ዝሞተ ህጻን ድማ ብቕጽበት ተንሲኡ “ንስኻስ ቅዱስን ጻድቕን ንጹህን ኢኻ  እቶም ዝቐተሉንስ እዚኣቶም ኢዮም” ብምባል ስሞም ጸዊዑ ምስክሩ ሃበ። በዚ ድማ ምርጭኡ ኣብቲ ዝነበሮ ክምለስ ስለ ዝደለየ ንስጉኡ ምድሪ ኣፋ ከፊታ ወሓጠቶ ነፍሱ ግና ናብ ዝነበረቶ ተመልሰት። ኣቡነ ስለማ ብኸምዚ ዓይነት ሕይወት  ገድልን ተጋድሎን የብዝሑ ነበሩ፡ ንዓመትን መንፍቕን ዝኣክል መግቢ ከይበልዑ  ዝገበርሉ  ግዜ ነይሩ ኢዩ። ንስግኦም ብስግደትን ትሜትን፡ ጽምእን፡ ዕርቃንን ዝብጣታት፡ መግረፍትን ኣዕጽምቶም ክሳዕ ዝርአ ኮነ። ንነፍሶም’ውን ካብ ማህደር ስጋኣ ኣወጺኦም ይርእይዎም’ሞ ንጽህትን፡ ጽርይትን ርህርህትን፡ ርስሓት ዘይብላ ጌጋ፡ ኣበሳ፡ መርገም’ውን ከምዘይብላ ምስ ረኣዩ እና ተሓጎሱ ናብ ማሕደራ ይመልስዋ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ  መልኣኽ እግዚኣብሔር ተገሊጹ  “ማሕደርካ ምስ ወንጌላውያን ይኹን። ናይ እግዝእትነ ማርያም ብርሃን ንኽብርኻ ድሉው ይኹን። ኣብቲ መንበር ክብራ ክተቐምጠካ እዚ ድማ ንኻልኦት ዘይተዋህበ ንዓኻ  ዝተዋህበ ኢዩ፡ ኣብ ትሕቲኣ እተዕርፈሉ ግዜ’ውን በጺሑ ኢዩ እሞ ተንስእ ናብ ትግራይ ኪድ” በሎ። ኣቡነ ሰላማ  ንሃገር ኣግኣዚት ፍቕሪ እግዚኣብሔር መሃሮም። ኣጥሚቑ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ፡ ቀሳውስትን ዲያቆናትን በብዓዱ ሸይሙ ነፍሲ ወከፍ ካህን ድማ ብኣበነፍስነት ዝተቐበሎም ምእመናን ደቁ ትምህርቲ ሃይማኖት ክምህሮምን መንፈሳዊ ጉዳይ ክመኽሮምን ወለዲ ዝፈልጥዎ እምነት ናብ ውላዶም ከመሓላልፉን   ህጻን ክርስትና ንኽመሃርን ኣባ ልገ ሓላፍነት ወሲዱ ክወሓስ እና በለ ሕጊ ሰሪዑ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቅልጡፍ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ተረኽበ። ናብ ኢየሩሳሌም ብምምጻእ ድማ ናብ መቓብር ጎይታን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ሓዋርያትን  ብምምብጻሕ ካብ ኩሉ መቓብር ጸበል እና ወሰደ ነተን ዝሰርሐን  ኣብያተ ክርስቲያን  ይነጽገለን ነበረ። ኣብ ገድሉ ብዙሕ ድኻም ኢዮ ሓሊፉ፡ ብዙሕ ክትኣምኖ  ዘሽግር ብዙሕ  ድንቂ ዝኾነ ትእምርትን ተኣምራትን  ድማ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይገብር ነበረ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ኣብ መቓብራ  ምስ በጽሐ መጺኣ ባሪኻቶ ኢያ። ካብ መቓብራ ሓመድ ከም  ዝወሰደ ንሳ’ውን ጸጋ ሃበቶ ካብ ዕንባብታት ገነት ኣቕመሰቶ ካብ ያም ዝበሃል ካብ  መዓር ዝጥዕም ኣብ ኣፍንጭኡ ኣሸተቶ። ካብ  ጌታ ሰማኒ መቓብር  ጸበል ከም ዝወሰደ ንሳ’ውን  ካብ ገነት ዝውሕዝ ጸባ ገነት ኣሰተየቶ። ሕብስት ወይንን’ውን በረኸት ዝህብን መጊባቶ። ንጽህና ዘምጽእ ልብሰ ብርሃን ኣልበሰቶ ናይ ሓጎስ  ዘውዲ ድማ ደፍኣትሉ። ሓዋርያት’ውን  ሰላምታ ከም ዝሃቦም ንስሞም’ውን  ኣብ መቓብሮም ኢዱ ከም ዝነስአ ሰላምታ ሃብዎ።

 ኣቡነ ሰላማ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ገድልን ተጋድሎን ዘዕርፈሉ ግዜ ስለ ዝቐረበ፡ እልፍ ኣእላፍ መላእክት ብኹሉ ወገናት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብገጾም ወደቑ፡ ደንገጹ ዓቢ ፍርሓት ድማ ሓዞም። እዚ ድማ ካብ ግርማ መለኮት ጎይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተላዕለ ኢዩ። ጎይታ ድማ “ኦ! ፍቁረይን ኣገልጋሊየይን   ሰላማ ካብዚ ምድሪ ተንስእ ነዛ ሓላፊት ሞት ኣይትፍርሃያ ኣነ ናብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ክወስደካ እንተኾነ ግና ተሓጎስ ደስ’ውን ይበልካ ኣብ ሰማያት ዓስብኻ ብዙሕ ኢዩ” በሎ። በዚ ድማ ጎይታ ዝደለዮ ክሓትት ፈቐደሉ። ኣቡነ ሰላማ ድማ “ጎይታይን ኣምላኸይን መድሓኒየይን ኣነ ትውክልተይ ኣባኻ ኢዩ ዝኽረይ’ውን ንስኻ ኢኻ እሞ ሓጢኣተይ ኣስተሰርየለይ ዝክረይ ዝገበረ፡ ስመይ ዝጸውዐ፡ ብስመይ ጥሙይ ዘብልዐ፡ ዕሩቕ ዝኸደነ፡ ጽሙእ ዘስተየ፡ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሐ፡ ምእንቲ ወላዲትካ ድንግል ማርያምን  ምእንቲ ፍቁርካ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ምእንቲ ፍቁርካ ዮሓንስ መጥምቕ ምእንቲ ኩሎም ቅዱሳን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያነይ ኮይኑ ዝጸለየ፡ ዝለመነ፡ ዓይኒ ዘይርኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ልቢ ወዲሰብ ዘይሓለኖ ኣውርሰለይ” በሎ። ጎይታ ድማ “ይኹነልካ እቲ ዝበልካዮ ኩሉ ዝገበረ ክሳዕ ፲፭/15 ወለዶ ክምሕሮ ኢየ። ንኹሉ መጽሓፍ ገድልኻ ደው ኢሉ ዝሰምዐ ናይ ፹/80 ዓመት ሓጢኣት ይስረየሉ። ኮፍ ኢሉ ዝሰምዐ ድማ  ናይ ኣርባዓ ዓመት ሓጢኣት ይስረየሉ” ብምባል ኪዳን ኣተወሉ ።

 ኣባ ሰላማ ፳፬/24 ሓምለ ንእሽቶ ሕማም ሓሚሙ እዚ ድማ ነፍሱ ካብ ስጋ ናይ ምፍልላይ ምኽንያት ኢዩ።  ሽዑ ሰባት ብዙሓት መነኮሳትን ባሕታውያንን ክበጽሕዎም መጹ። ተስዓቱ ቅዱሳን’ውን ብሰረገላ መንፈስ ናብኦም መጺኦም  በኸዩን ሓዘኑን። ጎይታ’ውን ክብሪ ንዕኡ ይኹን ንኸናዝዞን ከሐጉሶን ናብኡ መጸ “ካብዛ ሓላፊት ምድራዊት ሞት ስጋ ኣይትፍራሕ እዚ  ናትካ ሞት ሞት ኣይኮነን” ኢሉ ሓቖፎ ኣዝዩ ድማ ኣፍቀሮን ሰዓሞን። ብድሕሪዚ ኣብ ወለጋ ዝበሃል ምድሪ ተንቤን ኣብ ደብረ መድኃኒት ብ፳፮/26 ሓምለ ፫፻፺፱/399 ዓመተ ምሕረት ፍርቂ ለይቲ  ነፍሱ  ካብ ስግኡ ወጸት። ነፍሱ ካብ ስግኡ ክትፍለ ከላ  ምድሪ ኣንቀጥቀጠት እንባታትን፡ ከረቢታትን ተጨነቑ፡ ኣኻውሕ  ተገማጠሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብርሃን ተጓናጺፋ ኣብ ሕቑፍኣ ድማ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ወዳ  ሒዛ ብዙሓት መላእኽትን`ውን ካብ ሰማይ ብምውራድ ብዓቢ ክብርን ምስግናን  ንነፍሱ ናብ ሰማይ ኣዕረግዋ። ኣብ ሕቑፊ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያዕቆብን ድማ ኣዕረፈት። መቓብሩ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ወለጋ ተምቤን ኣብ ማእከል ኣጻድፍ  ብምብራቕ ናይ ወርቅ እምባ ዝተባህለ ጎቦ ብስሞም ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ይርከብ ሰብ ድማ ክኣትዎ ኣይክእልን ኢዩ።

10325575_675830082452033_3352882329644644178_nእምበኣር ኣቡነ ሰላማ ንልዕሊ ፼፮፻/1600 ዓመት ካብ ኣፍ ኣመንትን ካብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣግኣዚትን ተፈልዮም ዘይፈልጡ ብርሃን ምድሪ ሓበሻ ዝተሰምዩ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም። ኣብ ልቢ ኣመንቲ ድማ ዘወትር ምስ ተዘከሩ ኢዮም። ቅድስት ቤተክርስቲያን ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ  ኩሉ ግዜ ትዝክሮም፡ ብስሞም ቤተክርስትያን ትሃንጽ፡ ብስሞም ማይ ጸሎታት ትሰሚ፡ ገድሎም ትጽሕፍ። ገለ ካብቲ ብስሞም ዝጽውዑ ቤተክርስቲያን ኣብ  ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዛግር ዝርከብ ቤተክርስቲያን፡ ኣብ ድባርዋ፡ ከምእ’ውን ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ዝርከብ ማይጸሎት ምጥቃስ ይከኣል።  

 

 

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ምስ ኩላትና ይኹን።

ኣሜን!!!

    ምንጪ፥   – ስንክሳር 26 ሓምለ

            – መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ. 5 (ብምኽንያት 6ይ ዓመት ምምስራት ናይ ኤርትራኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም 20014 ዝተዳለወት)

     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

     ወለወላዲቱ ድንግል

     ወለመስቀሉ ክቡር

      ኣሜን!

 

 

 

 

፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 7:14 am

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

    በዚ ዕለት እዚ ሓዋርያ ይሁዳ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ዕለት እዩ።

     yhuda ይሁዳ ማለት እሙን፡ተኣማኒ ማለት እዩ።ቁጽሩ ካብ 72 ኣርድእቲ ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “መልእኽቲ ይሁዳ” ዝብል ዝጸሓፈ  ቅዱስ ሓዋርያ እዩ። ንሱ ሓዊ ያዕቆብ ወዲ ዮሴፍ እቲ ጸራቢ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኩሉ ኣጽናፈ ምድር” (ማቴ 28፡19-20) ኢሉ ንደቀመዛሙርቱ ወንጌል ናብ ምሉእ ዓለም ከብጽሑ ንሓዋርያት ዝኣዘዞም ዘኪሩ ንሓዋርያት መሲሉ፡ ከም ሓዋርያት  ዘይሩ ብምምሃር ንብዙሓት ኣይሁዳውያን ይኹኑ ኣረማውያን  ናብ ክርስትና መሊሱ እዩ። ቅዱስ ሓውርያ ይሁዳ ኣብ ብዙሕ ሃገራት እናሰበኸ እንከሎ  ኣብ ሓንቲ ደሴት ብምእታው  ንሰብ እታ ደሴት ሰበኸሎም እሞ ብምልኦም ኣመኑ፡ ተጠሚቖም ድማ ናብ ጎይታ ቀረቡ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ሰርሓሎም፡ ንሳቶም ድማ ብጎይታ ጸኒዖም ነበሩ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ካብዚ ሓሊፉ ናብ ሮሃ እትበሃል ሃገር ከይዱ ነታ ኣብታ ሃገር ነጊሱ ዝነብረ ንጉስ ካብ ደዌኡ ኣሕወዮ እሞ ንሱ’ውን ብጎይታ ኣሚኑ ተጠመቐ። ብድሕሪ እዚ`ውን ናብ ሓራፒ እትበሃል ሃገር ከይዱ ሰበኸ፡ ንብዙሓት ኣጥሚቑድማቤተክርስቲያን ሰርሓሎም። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ፡ እቲ ኩሉ ሓዋርያ ይሁዳ ዝገብሮ ዝነበረ ስብከትን ትእምርትን ርእዩ እዝዩ ተቖጥዐ’ሞ  “ነዚ ሰብ እዚ ሒዘ ክቐትሎ ኣለኒ”ብምባል፡ ሒዙ ከስቕዮ ጀመረ። ሽንካር ዘለዎ ጫማ ከምዝወዲ ብምግባር የጉይዮ ነበረ። እቲ ሽንካር ግን ንሓርያ ይሁዳ ገለ ይገብሮ ኣይነበረን ። ነዚ ዝረኣየ ጨካን ንጉስ ድማ  ኣብ መስቀል ሰቒሉ ጨፍጪፉ ቀተሎ።  

 ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ቅድሚ ሙማቱ፡ እቲ ጨካን ንጉስ  ኣብ እሱር ቤት ምስ ኣእተዎ፡ ነቶም ዝመሃሮም ምእመናን፡ በቲ ኣምላኽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንህዝቡ ዝሃቦ እምነት ጸኒዖም ምእንቲ ክጋደሉ  መልእኽቲ ሰዲዱ ኣጸናኒዕዎም እዩ።

  ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ “ሕጂ ግና ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት ጸኒዕኩም ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም ናይ ግዲ ኮይንኒ ኣሎ”(ይሁ1፡3) ዝበሎ ንሕና’ውን ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ክንነብር ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ምስኩላትና ይኹን እሜን!

              ስብሃት ለእግዚኣብሔር

              ወለወላዲቱ ድንግል

              ወለመስቀሉ ክቡር

              ኣሜን

 

 

 

፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 8:11 am

                 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

       

         aba gerimaኣባ ገሪማ ኣብኡ ናይ ሮማ ንጉስ ዝነበረ መስፍንያኖስ ኣዲኡ ድማ ሰፍንግያ ይብሃሉ።  ኣዲኡ መኻን ስለዝነበረት ኩሉ ግዜ ንቅድስት ድንግል ማርያም እናተማሕጸነትናብ እግዚኣብሔር እናለመነት ትነብር ነበረት። እግዚእብሔር ድማ ልመንኣ ሰሚዑ ነዚ ቅዱስ ውላድ ሃባ። ይስሓቕ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ቅሩብ ምስ ጎበዘ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ተማሂሩ ብዲቁና ተሸመ።

ኣብኡ ምስ ሞተ ድማ ንኣባ ገሪማ ኣብ ናይ ኣብኡንስነት  ሰቐልዎ። ኣባ ጰንጠሌዎን  ዝተብህሉ ነዚ ምስ ሰምዑ “ምድራዊ  ንግስነት ሓላፍን ጠፋእን እዩ። ነቲ ዘይ ሓልፍን ዘይጠፍእን ሰመያዊ ሃብቲ ምእንቲ ክትወርስ  ናባይ ንዓ” ኢሎም   ናብኦም ማለት ናብ በረኻታት መጺኡ  ምስኦም ንእግዚኣብሔር ከስምር ናብኦም ጸውዕዎ። ሽዑ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ  ብኽንፉ ተሰኪሙ ናብ ኣባ ጰንጠሌዎን ኣብጽሖ። ማዕርግ ምንኩስና ተቐቢሎም ድማ ብጾምን ብስግደትን ጸኒዖም ይነብሩ ነበሩ። ካብ ብዝሒ ስግዳን ደው ምባል ክሳብ ዝስእኑ ይኾኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ መግቦም ተቐቢሎም ምስ የሕዋቶም መነኮሳት እንዳኸዱ ከለዉ ቤተ ክርስቲያን ረኣዩ። ክሳለሙ ኢሎም ድማ ናብኡ ከዱ።  እቶም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ዝጸንሑ ካህናት ድማ  “ቅዳሴ ከነቐድስ ደሊና  እንተኾነ ሰብ ውሒድና ስለዘሎ  ቅዳሴ ምእንቲ ከይተርፍ ካባኹም ሓደ ሰብ ሃቡና” በልዎም ። እቶም ምስ ኣባገሪማ ዝኾዱ መነኮሳት ድማ መግቢ በሊዖም ስለዝነበሩ “ክንቅድስ ኣይንክእልን ኢና” በልዎም። ኣባ ገሪማ ግን እታ ተዋሂባቶም ዝነበረት መቑነን ከይበልዑ ኣብ ሳንጥኦም ቆጺሮማ ስለዝነበሩ፡ ነታ ዝቖጸርዋ መግቦም ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስቲያን ገዲፎም ክቕዱሱ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ። እቶም መነኮሳት  ኣባ ገሪማ በሊዖም ዝቐደሱ መሲልዎም ኣዝዮም ተቖጥዑ ንኣባ ጰንጠሌዎን ውን ነገርዎም። ኣባ ጰንጠሌዎን ድማ፡ ኣባ ገሪማ ክመጽኡ ከለዉ ምስረኣይዎም ነቶም መውነኮሳት “ካብዚ ቅሩብ ርሕቕ በሉ” ብምባል ኣዘዝዎም። ነዚ ዝገበሩ ምኽንያት በሊዖም ቀዲሶም እንተኾይኖም ኣብ ቅድሚ መነኮሳት ምእንቲ ከይሓፍሩ ኢሎም እዮም። ኣባ ገሪማ ስለዝተረድኦም “እዞም የሕዋተይ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ እዞም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ኣእማንን ኣግራብን’ውን ካባይ ይርሓቑ” በሉ። ከምቲ ዝበልዎ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝነረ ኣእምንን ኣግራብን ሰለስተ ምዕራፍ ካብኦም ርሓቁ። ኣባ ጰንጠሌዎን  በቲ ዝረኣይዎን ዝሰሞዎን ገሪምዎም ይስሓቕ ወደይ ኣገሪምካናን ይሑጒስካናን በልዎ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ድማ “ገሪማ”( ኣባ ገሪማ) ተባህሉ። እቶም መነኮሳት ድማ “በዲልና ኢና እሞ ይቕረ በለልና” ኢሎም ለመንዎ። ብድሕሪ እዚ  መደራ ዝተባህለ ቦታ ከይዶም ብዓቲ ሰሪሖም 23  ዓመት ብትሕርምቲ ነብሩ። ጎይታ ድማ ፍሉይ ዝኾነ ሃብተ ተኣምር ሃቦም ስርናይ ንግሆ ዘሪኦም ሽዑ ንሽዑ ንመስዋዕቲ ስጋ ወደሙ ኣብጽሑ። ኣብ ልዕሊ እምኒ ወይኒ ተኺሎም ድማ ኣፍረዩ። ሓደ መዓልቲ’ውን ክጽሕፉ ውዒሎም ከይወድኡ ከለዉ ጸሓይ ክትዓርብ ስለዝደለየት “ዝጀመርክዎ ከይፈጸምኩ ከይትዓርቢ” ኢሎም ጸልዮም ንጽሓይ ኣብ ዘላቶ ደው ከምእትብል ገይሮም እዮም። ኣባ ገሪማ ብዘይካ እዚ’ውን ብዙሕ ተኣምራት ይገብሩ ነይሮም እዮም።ኩሉ ገድሎምምስፈጸሙጎይታ ተገሊጹ “ብስሞምቤተክርስቲያን ዝሰርሐ፡ ገድሎም ዝጽሓፈን ዘንበበን ክምሕረሎምምዃኑ ነገሮም።  ሞት’ውን ከምዘይረኽቦምነጊርዎም ዓረገ።  ቅዱስ ኣባ ገሪማ ድማ ኣዝዮም ትሓጎሱ  ሽዑ ንሽዑ ድማ ብብርሃን ሰረገላ ተወሲዶም ናብ ብሔረ ሕያዋን ኣተው። ዕለቱ 17/፲፯ ሰነ ነበረ።

              ” ሰላም፡ ለኣባ ገሪማ ለአርእዮ፡አዚዝ ሓይሉ።

               ዘኣስተራከበ፡ዘርዐ፡ወኣስተላጸቀ፡ ምስለ ፍሬ ሰብሉ።

              ዝንቱ ጻድቅ እምሃበ ይሄሉ።

               እምገጸ ዕበዩ ወእምድምጸ ግሩም ቃሉ።

               አዕባን ተግሃሱ ወዕጸዉ ሰሰሉ።”

                በረከትን ኣማላድነትን ናይ ኣባ ገሪማ ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

                        ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                       ወለወላዲቱ ድንግል

                       ወለመስቀሉ ክቡር

                       ኣሜን!

                                         ምንጪ፥  ስንክሳር ፲፯ ሰነ

 

፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014

Filed under: Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 8:02 am

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

     ፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት  ሰሎሜ

   ሰሎሜ ማለት ሰላማዊት ማለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ሰሎሜ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጓል  ሓተንኣ እያ። ንሳ ጓል ማጣት፡ጓል ለዌ፡ ጓል ሚልኪ፡ ጓል ካህን ኣሮን  እያ።  ማጣት ሰለስተ  ደቂ ኣንስትዮ  ነበርኦ። እታ ቦኽሪ ማርያም፡  እታ ካልኣይቲ ሶፍያ፡  እታ ሳልሰይቲ ድማ ሃና ትበሃል።  እታ ማርያም እትባሃል ከኣ ንሰሎሜ  ወለደት፡  ሶፊያ ድማ ንኤልሳቤጥ ወለደት፡ ሃና ከኣ ንጎይታናንን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወለደት። ቅድስት ሰሎሜ ኣዴና ቅድስት  ድንግል ማርያም ንጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወለደት ከምተን ናይ ካልኣት ደቀኣንስትዮ ኣወላልዳ መሲልዋ ተጠራጢራ ነበረት እሞ እንዳተጠራጠረት ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተንከፈታ እሞ ኢዳ ተቓጸለት። ሽዑ “ኣደ ጎይታ እመቤተይ ማርያም ብሓቂ ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባኤ ዝተቆጽረሉ  መድሓኒ ከም ዝወለድኪ ይኣምን በጃኪ ምሓርኒ” ብምባል ለመንታ። ኣዴን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ  “ንዓይ ዝገበርክኒ የብልክን ነቲ ዘይምርመር ግብሩ፡ ክምርምር ኢልኪ ስለዝሓሰብኪ እዩ እዚ ረኺብኪ ስለዚ ንዕኡ ይቕረ ግበረለይ በልዮ” በለታ። ንሳ ድማ እንዳበኸየት ንጎይታ ዳህሰሰቶ እሞ ሓወየት። ሰለሜ ድማ ንጎይታ ኣመስገነት።

 እቲ ጨካን ሄሮድስ ንጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐትሎ ምስበለ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓትሉ ግዜ ፡ ሰሎሜ ምስ ኣረጋዊ የሴፍ ኮይና ናይ ስደቶም ተካፋሊት ብምዃን ኣብ መንገዶም ተገልግሎም ነበረት። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ንመቓብር ከፊቱ ኣብ ዝተንስኣሉ እዋን’ውን ካብተን ንመቓብር ጎይታ ክርእያ ኣንጊሀን ዝኸዳ ቅዱሳት ኣንስቲ ሓንቲ እያ። ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተቐበሉሉ እዋን’ውን ምስተን 36 ቅዱሳት ኣንስቲ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢላ ወንጌል ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰቢኻ ንብዙሓት ኣእመነት። በዚ ምኽናያት ከኣ ካብ ኣይሁድ ብዙሕ ሽግርን መከራን ተቐቢላ ኣዕረፈት።  

   በረኸታን ኣማላድነታን ምስኩልና  ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

 

    ስብሃት ለእግዚኣብሔር

     ወለወላዲቱ ድንግል

     ወለመስቀሉ ክቡር

        ኣሜን!         

 

 

ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014

Filed under: Uncategorized — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 8:37 am

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

              ዕርገት መኣስ፡ኣበይ፡ 

      ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንስኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጐይታ  ካብ ትንሳኤ ኣብ 40 መዓልቲ፡ ቦታ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑ ንብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽት ንሰባትን እናረኣይዎ፡ክብል ገሊጽዎ እዩ። ጎይታ ንሓዋርያት ብስጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምስጢርን ስርዓትን ሓዲሳዊት ቤተክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ 40 መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝልእኸሎምን ዝለብሱን ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኣውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ። ዕርገቱ ድማ ኩሉ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናይ ዓወት እዩ ነይሩ (ሉቃ24፡50-53,ግብሓዋ1፡9-11)። 

ዕርገት ጐይታ ኣብ ሓዋርያት ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኣንጻር ዝመስሉ ነገራት እዩ ኣስዒብሎም።ሓዘንን ሓጐስን!  ብፍቕሪ ዝነበረ ሰብ እቲ ዘፍቅሮ ክፈለዮ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ሓዘን ከም ዝስምዖ  ርዱእ እዩ። ኣሽንኳይዶ ተኣምራት ዝገብርን ካብ ሞትዝተንስአን መድሕን ዓለም ጐይታ ይትረፍሲ፡ዝፈትውዎ መዘና እኳ ክፍለ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ሓዘን ክስማዕ ከምዝኽእል ዘማትእ ኣይኮነን። ሓዋርያት’ውን እቲ ዘፍቕርዎ ጐይታ ክፍለዮም ከሎ እዚ ክስምዖም ናይ ግድን ስለዝነበረ እዩ ካብኦም ንሰማይ ልዕል እናበለ እናረሓቐን ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ክዓርግ ከሎ ዝጥምትዎ ዝነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሓዘኖም ጊዜያዊን ናይፍቕርን እዩ ነይሩ እምበር ካብ ቀቢጸ ተስፋ ዝነቐለ ኣይኮነን። ነዚ ሓዘን ኣመልኪቱ ወንጌላዊ ዮሓንስ ቃል ጐይታ ኣቐዲሙ ንዝተዛረቦ ክጠቕስ ከሎ ከምዚ ይብል “ጊዜኦም ምስበጽሐት፡ ኣነ ኸምዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልአ” (ዮሓ16፡6)። 

በቲ ካልእ ድማ ስለዝባረኾምን ስለዘጸናንዖምን፡ ብኣዕይንቶም እናረኣይዎ ድማ ብምስጋና ስለ ዝዓረገን ተሓጒሶም እዮም። ከመይ እንተበልና፡ጻዕዳ ዝልባሶም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሞንጎኦም ተረኺቦም ከምቲ ክዓርግ ዝረኣይዎ፡ጐይታ ብሥጋ ማርያም ብክበበ ትስብእት ዳግማይ ከም ዝመጽእ ነገርዎም። በዚ ኸኣ ጐይታ ፈጺሙ ካብኦም ከምዘይፍለ “ክሳብ ሕልቀተ ዓለም ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣተስፊዎም ዝነበረ፤ ድሮ ንቅዱሳን መላእኽቱ ሰዲዱ ብኣፍ መላእኽቱ ቃሉብምስዳድ ኣጸናኒዕዎም። እወ ጐይታ ስቕ ኢሉ ገዲፍዎም ኣይከደን ትምህርትን ምሉእ ተስፋን ኣስኒቑዎምን፤ ባሪኽዎምን ፤ብመላእኽቱ ኣቢሉ ቃል ተስፋ ነጊሩን እዩ። ከምቲ ዝበሎም ድማ፡ ንሳቶም’ውን ነቲ እሙን ቃል ከይተጠራጠሩ ብታሕጓስን ምልኣት ተስፋን ካብቲ ዝዓረገሉ ደብረዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እና ተጸበዩ ብጸሎት ጸኒሖም እዮም።  “እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ”በሎም። ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉ’ውን ባረኾም። ኮነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስ’ውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እና ወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ ” (ሉቃ 24፡50-53)። ሓጐስ ሓዋርያት ግና ንጊዚኡ ስለ ዝባረኾምን በረኸቱ ስለዝሃቦምን ጥራይ ኣይኮነን። ብዝተዋህቦም ስልጣነ ክህነትን ብዝረኸብዎ በረኸትን፡ንሳቶም’ውን እና ባረኹ ኣብ ልዕሊ ካልኦት በረኸት እናሕደሩ ክነብሩ ስለዝፈቐደሎም እዩ። ከምኡውን ሞይቱ ተንሲኡ፡ንዓለም ብደሙ ቐደሳ ኣንጽሓ እናበሉ ዝምስክሩሉ ቅዱስ ኣምላኽ፡ ሰባትን መላእኽትን እናረኣይዎ ብግሉጽን ብዓቢይ ምስጋናን ስለ ዝዓረገን ብግልጺ ስለዝተረጋገጸን ባህ ኢልዎም እዩ። ንሱ ጥራይ ግና ኣይኮነን፡ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነት ዓለም ክውን ኮይኑ፡ሓዋርያት ድማ ነዚ ምስክር ክኾኑ ስለዝተኃርዩን ነዚዝተዋህቦም ዓቢ ተልእኾ እና ዘከሩ ይሕጐሱ ነበሩ። ነዚ’ውን ዘረጋግጸልና ዘውትር ንእግዚአብሔር እናመስገኑ ኣብ ቤተመቕደስ ምንባሮም እዩ። 

     ዕርገት፡ጐይታ ንዝመጸሉ ዕላማ ብዓወት ፈጺሙ፤ ምርኮኡ ማሪኹ፡ናብ ዝቐደመ ክብሩ ዝተመልሰሉ እዩ። እቶም ምርኮ ዝተባህልና ከኣ ንሕና ኢና። ከመይሲ ዝፈጠረናን ጸግኡ ዘብዝኃልናን ጐይታ ገዲፍና፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ብእግረ ኣጋንንቲ እናተቀጥቐጥና ምሩኻት ዲያብሎስ ኮይንና 5500ዓመታትዝጸናሕና ንሕና ደቂ ኣዳም ነበርና። ይኹን እምበር ጐይታ ብክቡር ደሙ ቤዛ ኮይኑ፡ካብ መግዛእቲ ጥንተጸላኢና ዲያብሎስ ማሪኹና ብዝቐደመ ውልድነት መለሰና፤ ካብ ኃጢኣትና’ውን ሓራ ገበረና። ዳግማይ ድማ ደቁ ክንበሃል ጸግኡ ዓደለና። እቲ ዝሃበና ጸጋ ውልድነት ጥራይ ዘይኮነስ ስልጣን’ውን ከም ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከረድእ ከሎ “ስለዚ ከኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብ’ውን ውህበት ሃበ”ይብል።እዚ ደየበ ዚብል ግና፡ ናብ ምድሪ ምውራዱ`ውን ዘመልክት እዩ። እቲ ዝወረደ፡ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበ’ውን ንሱ እዩ…..ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት፡ ገሊኦም ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ገሊኦም’ውን ጓሶትን መምህራንን ክኾኑ ሃበ” (ኤፌ4፡8-12)።

    ምርኾ  ዝብል ቃል’ውን ቅዱስ ጐርጐርዮስ ብወገኑ ክትርጕሞ ከሎ “ካብ መስቀሉ ናብ ሲዖል ብምውራዱ ኣድሓነና። ብምኽንያት በደል አቦኦም ኣዳም ኣብ ሲዖል ተኣሲሮም ንዝነበሩ ጻድቃን ፈትሖም። ካብ ሙታን ተፈልዩ ብምትንስኡ ብኣማናዊ ትንሳኤኡ  ኣተንስኣና። በሪ ንስሓ ድማ ኣርሓወልና ” (ሃይ ኣበው ም. 36 ቍ. 30-37, ም. 44 ቍ. 8) ይብል። እዚ ቃል ድማ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰማማዕ ኣበሃህላ እዩ። ድኅሪ እዚ ዓወትን ምርኮን ድማ እዩ ጐይታና ናብ ሰማያት ዝዓረገ። ስለዚ ንሕና’ውን በዚ ቃል ጸኒዕና እንተ ነበርና፡ ዳግማይ ብፍቓድና ናብ ምርኾ ዲያብሎስ እንተዘይተመሊስና፡  ናይ ሓዋርያነትን ካልኦትን ጸጋ ከም ዘይፍለየና ኣረጋጊጹልና እዩ።  

   ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፡ ጥምቀቱ፡ ሕማሙ፡ ሞቱ፡ ትንሳኤኡ፡ ወዘተ ከም ጋሻ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዘዛረቦን ዝተመስከረሉን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ዕርገቱ ክንበ ከሎ ብጥሙሩ “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን / ኣምላኽ ብዕልልታ፡እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ” (መዝ 47፥5-6) ኢሉ  ተነብዩ ነበረ። በዚ ድማ ከምቲ ብነቢያት ዝተዘርበ ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኵሉ ዝመጸሉ ነገር ፈጺሙ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ መበል 40 መዓልቱ ናብ ሰማይ ብዓቢይ ክብርን ምስጋናን እዩ ዓሪጉ። እንተደኣ ብምስትውዓል ኣንቢብናዮ ብቅዱስ ዳዊት ዝተጠቕሰ ትንቢት ናይ ተዋሕዶ ምስጢር ዘለዎ ቃል እዩ። እቲ ብባህርይኡ ብምልኣት ዝርከብ እግዚአብሔር ዓሪጉ ምባል፡ዳሕራይ ብፍሉይ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ስጋና ለቢሱ ንዝፍጽሞ ግብሪ ዘመልክት እዩ። ዳኅራይ ብፍጹም ናይ መለኮትን ስጋን ተዋሕዶ ንዝፍጸም ግብሪ ድማ እዩ እግዚአብሔር ዓሪጉ ብምባል ዝገለጾ። ንናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ናይ ባህርይ ኣምላኽነቱን፡እግዚአብሔር ምዃኑ ንዝጠራጠሩ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ገዲፍሎም እዩ። ሓዋርያት ድማ ነዚ መሰኻኽር ክኾኑ ዝተኃርዩ ስለ ዝኾኑ ድማ ከምቲ ዝበሎም ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ነዛ ጸልሚታ ዝነበረት ዓለም ብርሃን ኮንዋን ፡ጨው ኮይኖም ድማ ኣመቀርዋን። 

ዕርገት ጐይታ ክንገር ብዘይከኣል ኣዝዩ ዕጹብ ብዝኾነ ምስጋናን ሰልፍን ከምኡ’ውን ዘድንቕ ሰማያዊ ትርኢት መላእኽቲ ዝተሰነየ እዩ። ነቲ ብዓወት ዝዓርግ ዝነበረ ኣምላኾም፡ እልፍ ኣእላፍ መላእኽቲ በብነገዶም ዓቢ ሰልፊ ገይሮም፤ ሰማያዊ ውዳሴን ድምፂ መለኸትን እናቕረቡ እዮም ኣጂቦሞ። ቅድስት ድንግል ኣዲኡ ንኵሎም ደቀመዛሙርቱን ኣብዝተረኽቡሉ፡ ደብረዘይቲ ብብርሃናዊ ደመና ከምዝተጐለበበትን ሰማያት ከምዝተኸፍቱን መጻሕፍተ ቤተክርስቲያን ኣስፊሖም ዝገልጽዎ እዩ። እቲ ዝነበረ ዘደንቕ ትርኢት ንምስጋናን ብውሑዱ ከምዚ ይመስል ነበረ። 

 ካብ ሰማይ ናብታ ጐይታና ዝነበረላ ስፍራ ድማ ብርሃናዊ ሰዋስው ተዘርገሐ። ጐይታ ድማ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንሓዋርያቱ ባረኾም፡ ጸጋን ስልጣንን ድማ ሃቦም። ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እተጻዕነ ብርሃናዊ ሰረገላ ድማ ካብ ሰማይ ወረደ። ምስኡ ድማ ኣእላፋት ወትእልፊተ ኣእላፋት መላእኽቲ ኸኣ ነበሩ። ሽድሽተ ኣኽናፎም ዝኾኑ ሱራፌል’ውን ምስኦም ነበሩ።ኣዝዩ ብዝምስጥ ጥዑም ዜማን ብርሃናዊ ቃላትን ድማ ኵሎም በብስርዓቱ የመስግንዎ፡ ይውድስዎን፡ይቕድስዎን ነበሩ። ምስቲ ዓይነት ምስጋንኡን ቃና ዜምኡን ዝሳነ ጥዑም ዝኾነ በብዓይነቱ ድምፂ መለኸት ድማ በብስርዓቱ ይስማዕ ነበረ። ገሊኦም መላእኽቲ  “ብሩክ ውእቱ እግዚአብሔር እም ቀዳሚ ወእስከ ለዓለም አሜን” እናበሉ ስብሓት የቕርቡ ነይሮም። ካብኣቶም ድማ ገሊኣቶም  “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ሰማያት ወምድር ምሉእ እም ስብሐቲሁ፡ ሆሳዕና በአርያም ዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እናበሉ የመስግንዎ ነይሮም። ገሊኣቶም ድማ “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር እምይእዜ ወእስከ ለዓለመ ዓለም አሜን” ይብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ቅዱስ አንተ እግዚአብሔር ቅዱስ አንተ ኃያል፡ ቅዱስ አንተ ኦሕያው፡ ዘኢይመውት መሐረነ” ኢሎም ይቕድስዎ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን” ኢሎም የመስግኑ ነበሩ።  

  ካብ ላዕሊ ድማ ኣዝዩ ግሩምን ዓቢይን ብዝኾነ ነጐድጓዳዊ ድምፂ  “አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለእመፍጥረ ትወይባእ ንጉስ ክብር ወስብሐት” ክብሉጀመሩ።ካልኦት ኣብቲ ብርሃናዊ መንጦላዕት ዝነበሩ ማኅበረ ልዑላት ድማ  “መንውእቱ ዝንቱ ንጉሰ ክብር ወስብሐት” ኢሎም ሓተቱ። እቶም ዝቐደሙ ድማ “ዝንቱ ውእቱ እግዚአብሔር ኃያል ውጽኑዕ ” ክብሉ መለሱሎም። ድኅሪ እዚ፡ ቃላተ መኳንንት ወስልጣናት ኃይላት ተሰምዐ፤ ከምዚ ድማ በሉ “አርኀዉ ኆኃተ መኳንንት ወይትረኃዋኆኀት እለ እምፍጥረት ወይባእ ንጉሰ ክብር ስብሐት”። እንደገና ድማ ካብ መናብርትን አጋእዝትን ካልእ ድምፂ ተሰምዐ። ከምዚ ድማ በሉ  “መን ውእቱ ዝንቱ ንጉሰ ክብር ወስብሐት”።እቶም ካልእ ወገን ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሎም “ዝንቱ ውእቱ ንጉሰ ክብር ዐቢየ እስከ ለዓለመ ዓለመ”።ካልኦት’ውን ኣዝዩ ንልቢ ብዝሰልብን ብዝምስጥን ዜማ የመስግኑዎ ነበሩ። ብርሃናዊ ትርኢትን ጥዑም ጨና ዕጣን ካብ ዝሓዝዎ ሙዳያት ይወጽእ ነበረ። ገሊኦም ድማ ብኣኽናፎም ገለ ደስ ዘብል ሰልፍን ድምፂ ምስጋና የስምዑ ነበሩ። 

  ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ድማ ኣብቲ ንኣኣ ተባሂሉ ኣብ ዝተተኽለ ብርሃናዊ ደብተራ  (ድንኳን)  ነበረት። ንሓዋርያቱ ድኅሪ ምዝርራቡ ድማ ናብኣ ከይዱ  ኣዘራረባ፤ ምድሪ ድማ ኣንቀጥቀጠት። ኵሎም ድማ ሰገዱሉ። ጐይታ ኣብ ዝተዳለወሉ ሰማያዊ ሠረገላ ኪሩቤል ደየበ። ብሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ብርኤልን ዝምርሑ እልፍ ኣእላፍ ሠራዊተ ሰማይ ብኵሉ ማእዝናት በብመልክዖምን ነገዳቶምን ብስርዓት ለቢሶም ቆይሞም ብቃለ ቀርን የመስግንዎ ነይሮም።ኣብዚ ዕለት ዝተራእየ ሰልፊ ሰማያውያን ሰራዊትን ምስጋንኦምን ሰብ ክገልጾ ዘይከኣል፡ንኽብሪ እቲ ፍቕሪ ሰባት ኣገዲድዎ ሰብ ዝኾነን፤ ስለ ድኅነት ዓለም ድማ ዝሞተን ዝተንሰአን ዝዓረገን ፈጣሪ ፍጥረታት ጐይታና ዝቐረበ እዩ።

ስለዚእዩ ድማ እግዚአብሔር ዝገለጸሉ ቅዱስዳዊት፡  “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን/ ኣምላኽ ብዕልልታ፡ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ” ዝበለ።

 

                                                                                                                      ይቕጽል…

                                                                                                                 ምንጪ፥ ማእዶት

 

 

ደብረ ምጥማቅ ( 1ይ ክፋል) May 24, 2014

Filed under: ነገረ ማርያም — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 12:07 pm

 

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

   ማርብዕለት 21 ግንቦት  ደብረ ምጥማቅ እና ተባህለ ዝብዓል ዓቢ በዓል ሓደ ካብተን 33 ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  በዓላት እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምውላዳ፡ነዚ ዜና እዚ ዝሰምዐ ሄሮድስ  ብቕንኣት ተበጊሱ ክቐትሎ ደለየ። ምስ’ቲ ሓላዊኣ  ዝነበረ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን  ድማ ንጎይታ ሓዚላ ነቲ መሪር ናይ ምድረ በዳ ስደት ሓደ ኢላ ተተሓዘቶ።ብብዙሕ ድኻምን ጥሜትን ከኣ ምድሪ ግብጺ በጽሐት። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ እምበኣር ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዘዕረፍሉ ቦታ ብእግሩ  ከም ህጻን ዘወር እና በለ ከሎ ብእግሩ  ረጊጹ ኣሰር ኣጻብዕቱ ኣብቲ  እምኒ ከም ዝተረፍ ገበረ። ቀጺሉ ንኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም  “ብስምኪ ኣብዚ ቦታ እዚ ዓብይ ቤተ ክርስቲያን ክሕነጽ እዩ ስሙ ከኣ ደብረ ምጥማቅ  ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ”  ክብል ተዛረባ። እዚ ኣምላኻዊ ቃል እዚ ከኣ  ኣብ ሰዓቱን ኣብ ግዚኡን ተፈጸመ።ብስምቅድስት ድንግል ማርያም  ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ተሰርሑ፡ከምቲ ኣቐዲሙ  ጎይታ ዝበሎ ከኣ “ደብረ ምጥማቅ” ተባሂሉ ተጸውዐ። ብዙሓት መናንያን ዝቕመጥሉ ቦታኮነ። እንተ ኾነ  ምድሪ ግብጺ ከምቲ ንግንዘቦ ምድረ በዳ ስለ ዝኾነ ንዕለታዊ ናብራን ንንግደት ናይ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን እኹልቀረብ ማይ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት ከኣ  ብዝያዳ ኣብ ግዜ ዓመታዊ በዓል  ኣቦታት ናይቲ ገዳም ኣዝዮም ይሽገሩ ነበሩ፡ እንተኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስኣቶም ስለ ዝነበረት  ንዓኣ እናለመኑ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ትግብረሎም ነበረት ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ናይ’ቲ በዓል’ውን ዝጎድሎም ኮነ ዘሽግሮም ኣይነበረን።

ኩሉ ግዜ ኣብቲ ክብሪ በዓል ከኣ ብዝያዳ ኣመንትን ዘይኣመንትን  ኣብ ዝተኣከብሉ ግዜ ቅድስ ድንግል ማርያም ብቕዱሳን መላእክት ተዓጂባ ትግለጸሎም ነበረት።እቶም ብዙሕ ጉዕዞን ኣድካሚ ምድረበዳን ሰጊሮም ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ዝተረኽቡ ሰባት ድማ  በቲ ቅድስት ድንግል ማርያም እትገብሮ ዝነበረት ተኣምራት ንእግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ሓሳባት ልቦም ለሚኖም ናብ ወዳ  ክተብጽሓሎም ተማሕጺኖማ ይኸዱ ነበሩ። ጸግዒ ድኹማት  ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ብዝተዋህባ ጸጋን ሞጎስን ኣብ ቅድሚወዳ ቀሪባ  ሓሳባቶምን ጸሎትምን  ትፍጽመሎም ነበረት።ሎሚ’ውን  ጸጋኣ ኣሚና ምስ እንልምና  ንኹሎም ቅዱሳን ምሕረት ካብ ወዳ ከም ዝለኣኸትሎም  ንዓና እውን ኣብዚ ክፉእን ዓላዊ ወለዶን ዝለመናዮ ክተውህበና፡ኣብ እምነትና መታን ክትጸንዕ ብበረኸት ብረድኤት ክትሕልወና  እያ።እንተኾነ ከምቶም ብጎቦ ልቦም ዝልምኑ ዘይኮነስ ብእምነት፡ብዘይምጥርጣር ክኸውን ይግባእ።

ጸሎታን በረኸታን፡ ጣዕማን ኣማላድነታን ምስ ቅዱሳን ከም ዝነበረ ሎሚ እውን  ምሳና ይኹን። ኣሜን።

ደብረ1ደብረ ምጥማቅ  እምበኣር ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተመስረተት ብዙሕ ድንቂ ስራሕን ተኣምራትን እና ተገብረላ እትነብር ቅድስት ቦታ እያ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ እታ ጎይታናን መድሓኒና ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሕን  ሰብ ኮይኑ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ  ከም ሰብነቱ ብእግሩ ረጊጹ ከም ኣምላኽነቱ ከኣ ናይ ኣጻብዕቱ ኣሰር ከም ዝወጽእን ንምስክርነት ከም ዝተርፍን ዝገበራ ተኣምራታዊት እምኒ ዝለዓለ ታሪኽን  ቦታን ሒዛ ትርከብ።

ከም ኩለን ገደማትን ኣብያተክርስቲያናትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት፡ እዛ ቅድስት ገዳም እውን ብዓላውያን ብዙሕ ግዜ ዕንወት ወሪድዋን ፈሪሳን እያ። እንተኾነ  ናይ ኩሉ ገዛኢ ዝኾነ ኣምላኽ ብሓይሊ ጥበቡ ንቅዱሳን ሰባት ኣለዓዒሉ ካብቲ ዝዓነወቶን ዝፈረሰቶን ኣተንሲኡ ከም እትህነጽ ገይርዋ እዩ።

እዚ ክቡር ዕለት እዚ ካብ 21 ግንቦት ክሳዕ 25 ግንቦት ኣብዛ ቅድስት ቦታ ምእመናን ብኽብሪ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል የብዕሉ።

desinaናብ ሃገርና ኤርትራን እንተ መጺእና እውን ካብዚ ብዘይፍለ ሓደን ዝተመሳሰለን ታሪኽ ኢና ንረክብ። ንሱ ከኣ እንሆ ኣብዛ ሎሚ ደብረሲና  ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ቅድስት  ስፍራ ዝተፈጸመ ናይ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ንናይ ድንግል ማርያም ክብሪ ዝተገልጸሉን እዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕራን ጣዕማን ንዘለኣለም ምሳና ክኸውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ኣሜን!!!!

 

                                                                  ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

                                                                 ወለወላዲቱ ድንግል

                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር

                                                                                                   ኣሜን፡

 

 

 

፲፭/15 ግንቦት ዕረፍቱ ለናትናኤል ሓዋርያ May 23, 2014

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 8:55 am

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

 

     NATNAናትናኤል ማለት ቀናኢ ለሕገ ኣምላኩ፡ ተንኮል ዘይብሉ ማለት እዩ።  ቅዱስ ሃዋርያ ናትናኤል ቁጽሩ ካብ 12 ሃዋርያት ኮይኑ ስምዖን ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ።

ሃዋርያ ናትናኤል ወዲ ኣውራጃ ገሊላ ብዓል ቃና እዩ። ኦሪትን ነቢያትን ተማሂሩ ስለዝ ዝዓበየ  ከኣ መንፈሳዊ ቅንኢ ነበሮ ስለዚ ከኣ ቀናኢ ተብሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

  ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ገሊላ እንዳ ከደ እንከሎ ንፊሊጶስ “ስዓበኒ” በሎ  ንሱ ድማ ናብ ናትናኤል ተመሊሱ “እቲ ሙሴ  ኣብ ሕጊ፡ ነቢያት’ውን ብዛዕንኡ ዝጸሓፉ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ረኪብናዮ” በሎ። ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬት ዶ ገለ ሰናይ ክርክርብ ይከኣል እዩ፧”በሎ። ፊልጶስ’ውን ንዓ ርአ በሎ። ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ክመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ ” እንሆ ክፍኣት ዘይብሉ እስራኤላዊ “በለ። ናትናኤል ከኣ “ኣበይ ትፈልጠኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ  “ፊሊጶስ ከይጸውዓካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ “መምህር ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ርእየካ ስለዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዝዓቢ ክትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዒቡ ከኣ ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ መላእኽቲ ኣምላኽ’ውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክድይቡን ክወርዱን ከምትርእዩ፡ ብሓቂ ብሓቂ  እብለኩም ኣለኹ” በሎ።

ጎይታ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ እፈልጠካ ዝበሎ፥

  1,ቅዱስ ሃዋርያ ናትናኤል ንእሽቶ እንከሎ ምስ ሓደ ካብ  ወገን ኣህዝብ  ዝኾነ ጎበዝ ተባእሰ እሞ ብሓቲ ህራም ሃሪሙ ቀተሎ፡ ሰብ ከይርኣዮ ኣብ ቀጽሪ ቤቱ ኣብ ዝነበረ ኣታኽልቲ ድማ ኣብ  ትሕቲ ሓንቲ ኦም በለስ  ቀበሮ።

2,ሄሮድስ ህጻናት ኣብ ዘህለቐሉ ግዜ፡ ኣዲኡ ንዕኡ ኣብ ኣገልግል የእትያ ኣብ ልዕሊ ኦም በልሰ ትሰቕሎ፡ ምስ ጸልመተ ኣውሪዳ ኣጥብያ ኣብ ልዕሊ ኦም በለስ ተቐምጦ ነበረት። ከምዚ እናገበረት ክሳብ እቲ ክፉእ ግዜ ዝሓልፍ ኣብ ኦም በለስ ሓቢኣቶ ነበረት።

 ስለዚ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል  ጎይታ  ነቲ ሕቡእ ምስጢር ምስ ነገሮ ብሓቂ ኣምላክ ምኳኑ ኣሚኑ ስዓቦ፡  ምስቶም 12 ሃዋርያት ድማ ተቖጽረ።  ቅዱስ ሃዋርያ ናትናኤል መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎ ናብ ሃገረ ስብከቱ ማለት ናብ ኩርጅ ዝተባህለት ሃገር ኣብ ከተማ እልብጅህ  ኣትዩ  ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከሓድያን ወንጌል ሰበኸሎም ። ብዙሓት ድማ ብስብከቱ ናብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመልሱ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ናብ ካልእ ኣህዛብ ዝነብሩላ ናብ በራንጥያ ዝተብህለት ደሴት ከይዱ ወንጌል ሰበኸሎም። ንሳቶም ግና ሓድሽ ትምህርቲ ኣምጺኡልና ኢሎም ሒዞም  ኣሳቐይዎ፡ እግዚኣብሔር ግን ሓይልን ብረትዐን ስለዝሃቦ፡ ምውታት የተንስእ ፡ ሕሙማት ይፍውስ ነበረ። ብድሕሪ እዚ እቶም ከሓድያን  ናብ ንጉስ ወሰድዎ እሞ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ድማ “ይእዜሰ እፈቕድ እክዓው ደምየ በእንተ ስሙ ለኢየሱስ” ‘ሎሚ ብስም ኢየሱስ ደመይ ከፍስስ እየ’በለ።  እቲ  ጨካን ንጉስ ከኣ “ካብ ቅድመይ ወሲድኩም ገሪፍኩም ስቀልዎ” ኢሉ ንወታሃደራቱ ኣዘዞም፡ ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገሪፎም ሰቐልዎ። በዚ ከኣ ሰማእትነት ተቐበለ።

                                            በረከቱን ረድኤቱን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

          

                ስብሃት ለእግዚኣብሔር

               ወለወላዲቱ ድንግል

               ወለመስቀሉ ክቡር

                ኣሜን !!

ምንጪ፥  ስንክሳር 15 ግንቦት

 

፲፩/11 ግንቦት ዕረፍቱ ለቅዱስ ያሬድ May 19, 2014

Filed under: ነገረ ማርያም — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 10:08 am

በስመኣብ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

yared ያኣኣኣኣኣኣኣኣኣርርርርር

    እዚ ዕለት እዚ እቲ ኣምሳል ሱራፌል  ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝዓረፈሉ ዕለት እዩ። ቅዱስ ያሬድ ካብ ኣብኡአብድዩ /ይስሐቅ/ ካብ ኣዲኡ ክርስቲና /ታውክልያ/  ኣብ ኣኽሱም ተወልደ። እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ካብ ወገን ኣባ ጌዴዎን እዩ። ኣብኡ ወዲ 7ተ ዓመት እንከሎ ስለዝመተ ከኣ ኣዲኡ ናብ ኣባ ጌዴዎን ወሰደቶ። ኣባ ጌዴዎን’ውንንቅዱስ ያሬድ  ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ  ክምህርዎ  ጀመሩ። እንተኾነ ቅዱስ ያሬድ ነቲ ዝዋሃቦ ዝነበረ ትምህርቲ ክቕበሎ ይኹን ከጽንዖ ኣይከኣለን። ኣባ ጌዴዎን  ድሕሪ ብዙሕ ግዜ የጽንዖ ይኸውን ብምባል ከይተሓለሉ ንብዙሕ ዘመን ምሃርዎ እንተኾነ ቅዱስ ያሬድ ከጽንዖ ኣይከኣለን። ካብ ግዜታት ሓደ መዓልቲ ኣባ ጌዴዎን “ንክንድዚ ዝኣክል ዘመን ተማሂሩስ ምጽናዕ ኣብዩ” ኢሎም ሓሪቆም ንቅዱስ ያሬድ ክሳብ ዝሕምሞ ሃረምዎ። ቅዱስ ያረድ ድማ በቲ ዝተሃርሞ ኮርዩ ኣብ ሓደ ጫካ በረኻ ከይዱ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ከፍ በለ። ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣጽሊሉ እንከሎ ድማ ሓደ ጻጸናብታ ገረብ ይድይብ  እሞ ኣብ ፍርቂ ምስ ብጽሐ ከኣ ይወድቕ፡ መሊሱ ይድይብ ይወድቕ፡ ከምዚ እና በለ ንነዊሕ አዋን እናደየበ እናወደቐ ጸኒሑ፡ኣብ መወዳእታ ግና ተስፋ ከይቆረጸ ብዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነታት፡ ተዓዊቱ ናብ ጫፍ እታ ገረብ ሓኾረ። ሽዑ ቅዱስ ያሬድ ትግሃትን ተስፋ ዘይብቑራጽን ናይ’ቲ ጻጸ፡ ብተዳጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነ ናብ ዓወት ከምዝበጽሐ ርእዩ፡ ናብ መምህሩ፡ ኣባ ጊዴዎን ከይዱ “ኣባ በዲለኩም እየ ይቕረ ግበሩለይ” በሎም። ንሶምውን ብሓጎስ ተቐበልዎ። ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ያሬድ ብብርቱዕ ብኽያትን ጸሎትን ናብ እግዚኣብሔር ለመነ እሞ እግዚኣብሔር ከኣ ጸሎቱ ሰሚዑ ንትምህርቱ ገለጸሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ናይ ብሉይን ሓድሽን መጻሕፍቲ ተማሂሩ  ብዓወት ፈጺሙ፡ መዓረገ ዲቁና ተሸይሙ ንእግዚኣብሔር ከገልግል ጀመረ። እግዚኣብሔር ድማ ኣዝዩ ፈተዎ እሞ ካብ ገነት ኤዶም ሰለስተ ኣዕዋፍ ልኢኹ ብናይ ሰብ ኣንደበት ከምዝዛረብኦ  ብምግባር ምስኣተን ሒዘንኦ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ከዳ። ኣብኡ ድማ እቶም 24 ካህናተሰማይ ዘመስግንዎ ማህሌታት ተማህረ። ብድሕሪ እዚ ካብታሰማያዊት ኢዮሩሳሌም ናብ መሬት(ኣብ ኣክሱም ዝነበረት ቤተክርስቲያን) ብሰለስተ ሰዓት ኣተወ። ብዓቢ ድምጺ ድማ “ሃሌ ሉያ ለኣብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌሉያ ለመንፈስ”  እናበለ ከምስግን ውዓለ።  ንድምጹ ዝሰምዑ  ካብ ንጉስ ጀሚሮም ኩሎም ናብኡ መጽኡ እሞ ምሉእ መዓልቲ ክሰምዕዎ ወዓሉ። ብድሕሪ እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት በብክፍለ ዘመኑ ፡ ብክረምትን ሓጋይን፡ ብቀውዕን ብጸደይን፡ ብኣጽዋማትን በዓላትን፡ ብሰንበታት፡ ብናይመላእክቲ በዓላትን፡ ብነቢያትን ሃዋርያትን ጸድቃንን ሰማእታትን ደናግልን በዓል ዝኸውን ገይሩ ኣብ ሰለስተ (3) ከፊሉ ዜማ ኣውጽአ። ንሳቶም ከኣ ግዕዝ፡ ዕዝል፡ ኣራራይ እዮም።ናይደቂ ሰባት ዘረባ፡ ናይ ኣዕዋፍ ድምጺ፡ ናይ ኣራዊት ድምጺ ካብዚ ሰለስተ ዜማ እዚ ኣይወጽእን እዩ።

  ሓደ ግዜ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ገብረመስቀል ደው ኢሉ እናዘመረ እንከሎ እቲ ንጉስ ከኣ ብተመስጦ ንዜማኡ ይሰምዖ ነበረእሞ  እታ ሒዝዋ ዝነበረ ካብ ሓጺን ዘተሰርሐት ዘንጉ ኣብ እግሪ ቅዱስ ያረድ ኣተወት።  ካብ እግሩ ድማ ደምን ማይን ፈሰሰ። እንተኾነ ቅዱስ ያሬድ ማህሌቱ ክሳብ ዝፍጽም  ኣይተሰምዖን።

 እቲ ንጉስ ኣዝዩ ደንገጸ ነቲ ዘንጊ ካብ እግሪ ቅዱስ ያረድ ነቒሉ ከኣ ንቅዱስ ያሬድ ኣብ ክንዲ እዚ ዝፈሰሰ ደምካ ዝደለኻዮ ኣዝዘኒ ክህበካ እየ በሎ። ቅዱስ ያሬድ ድማ “ዝደለኽዎ ከምዘይትኽልክለኒ ቃል እተወለይ” ኢሉ ዝደለዮ ንኸይክልክሎ ኣምሓሎ። ከምዚ ድማ በሎ “ክምንኩስ ክኸይድ ሕደገኒ” በሉ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉስ ኣዝዩሓዘነ፡ እንተኾነ ማሕልኡ ከይጠልም ይኺድ ሓደጎ።ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ያሬድ ናብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ኣብ ፊት ታቦተጽዮን ደው ኢሉ  እና ኣመስገነ እነከሎ  ካብ መሬት ሓደ እመት ዝኣክል ልዕል ልዕል  በለ። ናብ ገዳም ብምኻድ ድማ ብኣዝዩ ብርቱዕ ጾምን ጸሎትን ተወሲኑ የነብር ነበረ። ክርምዚ ኢሉ ብርቱዕ ተጋድሎን እናተጋደለ ድማ ብዕለት ፲፩/11 ግንቦት  ብሰላም ዓረፈ። ክሳብ ሎሚ ከኣ ዝተቐበረሉ ቦታ ኣበይ ምዃኑ  ኣይፍለጥን እዩ።

 ጸሎትን በረከትን ናይ ቅዱስ ያሬድ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

                     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                      ወለወላዲቱ ድንግል

                       ወለመስቀሉ ክቡር

                              ኣሜን!

                         ምንጪ ስንክሳር ፡ ግንቦት 11/፲፩

 

፱/9 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ኢሌኒ May 17, 2014

Filed under: ነገረ ቅዱሳን — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 10:05 am

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

    ቅድስት ኢሌኒ ንናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መስቀል ብተንኮል ኣይሁድ ተቐቢሩ ምስ ነበረ  ካብቲ ተቀቢሩሉ ዝነበረ ጎቦ ተዃዒቱ ከምዝወጽእ ዝገበረት ቅድስት ኣደ እያ።

st eleni

 እዛ ኣደ እዚኣ ናይ ሓደ ነጋዳይ ብዓልቲቤት ዝነበረት ኮይና፡  ብቅድስና እትነብር ዝነበረት  ቅድስት ኣደ እያ።  እንተኾነ እቲ ነጋዳይ ዝነበረ በዓል ቤታ ብተንኮል ናይ ሰባት ተታሊሉ ነዛ ቅድስት ኣደ እዚኣብዘይፈጸመቶ ነገር  በደላትኒ ብምባል፥ ኣብ ሳንዱቕ ዓጽዩ ናብ ባሕሪ ደርበያ።   እንተኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽንቅዱሳናቱ ክጠፍኡ ስቕ ኢሉ ስለዘይርኢ፡ ነታ ኣብ ባሕሪ ዝተደርበየት ቅድስት ኣደ ብምሕረቱ ከሊሉ ብፍቃዱብማዕበል ናይ ባሕሪ ተገፊዓ  ናብ ሮሓ  ዝተባህለትሃገር ከም እትበጽሕ ገበረ። ገላዉ ናይቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንጉስ ናይ በራንጥያ ዝነበረ ንጉስ ቁንስጣ ረኸብዋ እሞ ናብቲ ንጉስ ወሰድዋ። ንሱ ድማ መልክዓን ቁመንኣን ርእዩ  ሰበይቱ ገበራ፡ንቅዱስ ቁስጠንጢኖስ ድማ ወለደት።ብሃይማኖትን ሰናይ ምግባርን  ብግቡእ ምሂራ ድማ ኣዕበየቶ።  ንሱ’ውን  ብፍቓድ እግዚኣብሔር ናብ ንግስነት በጽሐ።  ወዳ ቁስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ድማ ቅድስት ኢሌኒደቒሳ እንከላ”ናብ ኢየሩሳሌም ከድኺ ናይ ጎይታንን ንመድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መስቀል ካብቲ ተቐቢርሉ ዘሎ ኣውጽኢ፡ ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ  ቤተክርስቲያን’ውን ህነጺ” ዝብል ሕልሚ ሓለመት። ነቲ ዝሓለመቶ ሕልሚ ድማ ንወዳ ንጉስ ቁስጠንጢኖስ ነገረቶ ንሱ’ውን  ብዙሓት ወታሃደራት  ኣሰንዩ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዳ። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስበጽሐት ድማ ነቶም ዓበይቲ ዓዲ መርሚራ፡ እቲ ቅዱስ መስቀል ተሓቢእሉ ዝነበረ ጎቦ ረኺባ ብምኹዓት ነቲ ቅዱስ መስቀል ረኸበቶ። ብድሕሪ’ዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣዝዮም ብዙሓት  ኣብያተክርስቲያናት፡ ገዳማት ሃነጸት። ንዝተጸገሙን ዝተሸገሩን ድማ  ትረድእን  ትሕግዝን ነንበረት። ከምዚ ኢላ ብቕድስናን ሰናይ ምግባርን እናነበረት ኣብ መበል 80 ዕድሚኣ ብ፱/9 ግንቦት  ብሰላም ዓረፈት።

      በረኸትን ኣማላድነትን  ናይ ቅድስት ኢሌኒ ምስኩላትና  ህዝበክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

      ስብሃት ለእግዚኣብሔር

     ወለወላዲቱ ድንግል

      ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

 

 

፰/8 ግንቦት ጥንተ ዕርገቱ ለእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ May 16, 2014

Filed under: ነገረ ክርስቶስ — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 10:03 am

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

    ዕለት 8 ግንቦት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝዓረገሉ ክቡር ዕለት እዩ።

ascend4 ss

ጎይታናን መድሓኒናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንስኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይ ዓረገን። ብስዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ፡ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሳኤ ኣብ 40 መዓልቲ፤ ደብረዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ ፤ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብስጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብዙኅ ምስጢርን  ስርዓትን ቤተክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ 40መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝልእኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኣውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ።

  ክብረ ብዓል ዕርገት ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዕለት እዚ ክውዕል(ብድምቀት ክኽበር) እኳ  ዝግብኦ እንተነበረ፡ ብናይ ባሕሪ ሓሳብ ፍልልይ ግን ኢቲ  ክብረ ብዓል ካብዚ ዕለት እዚ ድሒሩ ብድምቀት ይበዓል። ዕርገት ዝውዕለሉ መዓልቲ ውን ካብ ሓሙስ ኣይወጽእን እዩ ማለት  ኩሉ ግዜ ሓሙስ እዩ ዝውዕል።

  ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ ኣብ ዝመጽእ ብሰፊሑ ከነቕርበልኩም ኢና!

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በረከት ዕርገቱ የካፍለና ኣሜን!

 

                                  ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                                 ወለወላዲቱ ድንግል

                                 ወለመስቀሉ ክቡር

                                  ኣሜን

   

 

 
%d bloggers like this: