ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል

ስብከት February 20, 2014

Filed under: ስብከት — ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል @ 3:51 pm

ስብከት.

ዓቢይ ጾም

(ለካቲት17,2006/ ለካቲት24, 2014)

ጎይታናን  ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን 40 ለይትን  ዝጸሞሉ ቦታ (ገዳመ ቆሮንጦስ)

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣማላክ ኣሜን፣፣ ኣቐዲምና ብበረኸት፣ ብምሕረት ዝጓስየና ንዘሎ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብኣና ብድኹማት ባሮቱ፣ በቶም ከየዕረፉ ኩሉ ግዜ ብዘይምቁራጽ ዘመስግንዎ ቅዱሳን መላእኽትን ብኹሎም ፍጡራቱን ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን ኣሜን፣፣

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና  ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብዚ ዓመት እዚ ብሰላም ሓልዩ ብጥዕና ስለ ዘጽንሓናን ዘብጽሓናን ስሙ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን ኣሜን!

ዝኸበርኩም ኣንበብትን ተኸታተልትን መደባትና ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ብዛዕባ እዚ ኣትዩና  ዘሎ ዓቢይ ጾም(ኣርብዓ ጾም)፣ ከምኡ ከኣ ብዛዕባ እተን ኣብ ውሽጢ ዓብይ ጾም ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና፣ ኣምላከ  ቅዱሳን ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን!!!

 ዓቢይ ጾም(ኣርብዓ ጾም) 

ጾም ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ዝተስረዐ ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰብ ኣኽቢሩ ውልድነት ሂቡ ኣብታ ቅድስት ስፍራ፡ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ ፍቕሪ ቃል ኪዳን ንኣዳም ዝሃቦ እንተ ነይሩ ናይ ጾም ስርዓት ኢዩ። እዚ ከኣ ኣዳም ተጋዛኢ እግዚኣብሔር ገዛኢ ምዃኑ ዘገንዝብ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ኢዩ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ጾም ስርዓት ብመንገዲ ኣቦና ኣዳም ናብዞም ዳሕረዎት ወለዶ ከም ዝሰጋገር ኮነ(ዘፍ፪፡፲፮-፲፯/2፡16-17)።

ኣቐዲሙ ናይ ጾም ስርዓት ዝሰርዐ ኣምላኽ ኣብ ዳሕራዋይ ዘመን ተስፋ ድሕነት ናይ ኣዳም ዘመኑ ምስ ኣኸለ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳም ቆሮንጦስ ከይዱ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ኢዩ። ንገዳማዊ ሕይወት ባሪኹ ነቲ ኩሉ ግዜ ብዘይምቁራጽ ዝፍትነና ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን ብጾምን ጸሎትን ከም እንስዕሮ ኣርእዩና ኢዩ(ማቴ ፬፡፩-፲፩/4፡1-11)። እዚ ጾም እዚ ምበኣር ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ ብዮሓንስ ምጥማቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ ዝጸሞ ጾም ኢዩ(ማቴ 4፣2)። ዓቢይ ጾም መበሊኡ፣ ካብ ኩሎም  ኣጽዋማት እቲ ዝዓበየ፣ ባዕሉ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸሞ ጾም ብምዃኑ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸመን  መዓልታት ኣርብዓ ብምዃነን ድማ  ካብዚ  ተበጊሳ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ነዚ ጎይታናን  ኣምላኽናን ኢየስሱስ ክርስቶስ ዝጸሞ ጾሞ “ዓቢይ ጾም ወይ ድማ ኣርብዓ ጾም”  እንዳ በለት  ትጽውዖ፣፣ ጠቕላላ ብዝሒ መዓልታት ናይዚ ጾም እዚ 55 መዓልታት ክኸውን ከሎ፣ ካብቲ ጎይታ ዝጸሞ 40 መዓልቲ እተን 15 መዓልቲ ካበይ ዝመጻ እየን ንዝብል፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን  ዝሰርዓቶ ስርዓት፣ ዝሓገገቶ ሕጊ ምፍላጥ ናይ ኩላትና ግደን እጃምን ኢዩ፣፣ እዚ ምዃኑ ከይንዝንግዕ እንዳ ተላበና ብዛዕባ  ጽሑፍና  ክንቅጽል፣፣

ናይ ጎይታና ኢየርሱስ ክርስቶስ ጾምን ፈተንኡን(ማቴ ፬፡፩-፲፪/4፣1-12 )

üብድሕርዚ መንፈስ ቅዱስ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዲያብሎስ  ክፍተን ናብ በረኻ  ወሰዶ

መንፈስ ናብ በረኻ  ወሰዶ ክብል ከሎ ቅዱስ ወንጌላዊ ማቴዎስ ብግዴታ ከይዱ ንምባል ዘይኮነስ እንተኾነ ግን ሓሳቡ ፍቓዱ ኢዩ፣፣ ንኣብነት ጾሙን ፈተንኡን ምስ ፈጸመ  “ጎይታ ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ገሊላ ተመልሰ” ከም ዝበለ  ሉቃስ ወንጌላዊ(ሉቃ ፬፡፲፬/4፣14)።

vጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍተን ኢሉ ናብ  ገዳመ ቆሮንጦስ ኣይከደን እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ከይዱ ምስ ጾመ ምፍታኑ ስለዘይተረፎን ስለ ዝተፈተነን  ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ክጽሕፍ ከሎ “ብዲያብሎስ ክፍተን”  ኢሉ ጸሓፈ፣፣ ናብ ገዳም ምኻዱ’ኸ ስለምንታይ ኢዩ፧  እንተበልና  ድማ  ኣብ ገዳም ጾም ንወጣንያን ዝቐለለ ኢዩ፣፣ ንፍጹማን ግና  ዝበርትዐ ኢዩ፣፣ ስለዚ ንኹሉ ኣብነት ክኸውን ኢሉ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ገዳም ከይዱ ጾመ፣ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ ድማ ንዓና ኣርኣያ ኮነና፣ በቲ ዝኸዶን ዝሓለፎን ክንሓልፍ ከኣ ናትና ግዴታ ኢዩ፣፣

vጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ፈተና ደልይዎ ኣይከደን  “ነቲ ፈታኒ ሓይሉ ከጥፍእ ደልዩ እምበር ክፈተን  ደልዩ ኣይኮነን’’ ከም ዝበለ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ ኣብ ሃይማኖት ኣበው85፣25፣፣

vብፍቓዱ’ውን ነቲ ፈተና ኣለዓዒሉ ኣየምጽኦን፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተነታት  ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸሙ ብፍቓዱ ኣየለዓዓሎምን፣ ብታህዋኾም ድኣ፣ ብሓይሊ  እቲ ምስ ስጋ ዝተወሃሃደ ቃል ጠፍኡ ከም ዝበለ ቅድስ ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ ኣብ ሃይ.ኣብው85፣14

üኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ጾመ

ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾመሉ፣ ትሕቲ ኢሉ ናብ  ሰላሳ ልዕል ኢሉ ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዘይጸመ እንተተባህለ በዚ ቀጺልና እንርእዮ  መረዳእታታት እዩ፣፣

    1. ኣቦና ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ዝተዋህበቶ ክብሪ ስለዘጥፍአ ክብሪ ኣዳም ንምምላስ ኢዩ፣፣ እዚ ከኣ መለኮታዊ ቃል ሰብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር እቲ ብምኽሪ ዲያብሎስ ካብ’ቲ ዝነበሮ ክብሪ  ናብ ምድሪ ብስደት ዝመጸ ኣብ እግሪ ኣጋንንቲ ዝርገጽ ዝነበረ ኣዳም ካብ ዝወደቖ ንኸተንስእ ንሞቱ ብሞቱ ንኽስዕር ስለ ዝኾነ፣ በዚ ዕለት እዚ ከኣ እታ ብኣርብዓ  መዓልቲ ዝረኸብካያ ውልድነት ክመልሳካ መጺአ ኣለኹ ንኽብል ብዘይምርመር ጥበቡ ዝገበሮ ኢዩ፣፣

   2. ሊቀ ነቢያት ዝተሰምየ ቅዱስ ሙሴ ንእራኤላውያን መሪሑ ካብቲ መሪር ባርነት ናይ ንጉስ ፎርኦን ባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ ኣብ ሲና ምስ በጽሐ ቅዱስ እግዚኣብሔር ንነቢይ ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ክቕበል ናብቲ ጎቦ ክወጽእ ኣብ ዝኣዘዞ ግዜ ነቢይ  ሙሴ ኣብቲ ጎቦ ናይ ሲና ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን መግቢ ከይበልዐ ማይ ክሰተየ ተቐመጠ፣፣ ኣርባዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ኦሪት ማለት ዓሰርተ ትእዛዛት ኦሪት ተቐበለ(ዘጽ ፳፬፡፲፪-፲፰/24፣12-18፣ ፴፩፡፲፰/31፣18,   ዘዳ፲፡፱/10፣9) ክርስቶስ ኣምላኽና ከኣ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን  ጾይሙ ሕጊ ወንጌል ሰርዓልና፣፣

  3. ነቢይ ሙሴ ዝለኣኾም 12 ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ     (ዘሁ፲፫፡፳፭/13፣25)፣፣ ክርስቶስ ድማ  ናይ መንግስተ ሰማያት መራሒ ስለ ዝኾነ፣ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ፣፣

ስርሑ ብጾም ጀመረ፣ ከመይ  ብልዒ ናይ ተግባር ሓጢኣያት  መሰረት ከምዝኾነ፣ ጾም ድማ ናይ ሰናይ ተግባር መሰረት ኢዩ፣፣ “እስመ ጾም እማ ለጸሎት ወእሕትታ ለኣርምሞ ወነቅኣ ለኣንብዕ ወጥንተ ኩሉ ገድል ሰናይት” ይብል መጽሓፈ መነኮሳት፣፣

üብድሕሪዚ ጠመየ

ጠመየ ማለቱ  ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ፣ ባህሪ ሰብ ከምዝተወሃሃደ ንምግላጽ  ኢዩ፣፣ከምኡ ካኣ እቲ ፈታኒ (ዲያብሎስ) መገዲ ንምሃብ እዩ፣፣ብድሕርዚ እምበኣር እቲ ፈታኒ ናብ ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ  ክርስቶስ ቀሪቡ ነዘን ቀጺልና እንርእየን ሰለስተ ዓበይቲ ሓጢኣት (ኣርእስተ ጣውእ) ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ገዳመ ቆረንጦስ ፈተኖ፣፣ ዝፈተኖ ፈተናን ዝተዋህቦ  ኣምላኻዊ ምላሽን እንታይ ከምዝመስል ንከታተል፣፣ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ልቦና ይዓድለና ኣሜን፣፣

1. ወዲ እግዚኣብሔር እንተኾንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል በሎ (ማቴ፬፡፫/4፣3,ሉቃ፬፡፫/4፣3)

ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህሪ ኣብኡ(እግዚኣብሔር ኣቦ)፣ ንሱ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ መስኪርሉ ኢዩ፣፣ ከመይ ብህልውንኡ ምስ ባህርይ ኣብኡ ኣብ ምስ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ህሉው ኮይኑ ዝነብር ወልደ እግዚኣብሔር፣ ንሱ እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ፣ ስጉው ቃል ድኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን፣፣ እቲ ኣቐዲሙ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቂሳርያ “ንስኻ ውዲ ህያው እግዚኣብሔር ኢኻ”(ማቴ፲፮፡፲፭/16፣15) ኢሉ ዝመስከረሉ፣ ደጊሙ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ማይ ሩባ ዮርዳኖስ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብል ዝሰምዐ ሰይጣን እምበኣር፣ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል” በሎ፣፣ ከምቲ ንኣዳም ብብልዒ ምኽንያት ዘስሓቶ፣ ጠምዩ ኣሎ እሞ ሕብስቲ ርእዩ እንተሰሓተ ብምባል ኢዩ፣፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ግና “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ቃል ኩሉ ድኣ እምበር ብእንጌራ ጥራሕ ኣይነብርን ኢዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ” መለሰሉ (ማቴ4፣4, ዘዳ8፣3)።

ንሰብ እንስሳዊ ባህርን፣ መንፈሳዊ ባህርን ኣለዎ፣፣ እንስሳዊ ባህርኡ፣ ካብ መግቢ እንተተኸልከለ ኣብ ሞት ይበጽሕ፣፣ መንፈሳዊ ባህርኡ ድማ ካብ ቃል እግዚኣብሔር እንተ ተኸልከለ ናብ ሞተ ነፍሲ ይበጽሕ፣ ከመይ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ፣፣ ኣሞጽ ነቢይ “ሲሲተ ልብ ቃላቲሁ ለእግዚኣብሔር” ቃላት እግዚኣብሔር መግቢ ልቢ እዩ” ይብል፣፣ ቅዱስ ቄርሎስ (መጽሓፈ ሊቃውንት)፣፣

2. ድሕርዚ ዲያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ወሰዶ እሞ ኣብ ገምገም ቤተ መቅደስ ደው ኣበሎ፣ “ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔር  እንተ ኾንካስ  ካብዚ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር(ጽደፍ)” በሎ፣፣

 ዲያብሎስ ዘሊልካ ጽደፍ ዝበሎ ሓይሉ ንምግምጋም ኢዩ፣፣ ድኹም ሰብ እንተኾይኑ ክስበር ኢዩ ሓያል ሰብ እንተኾይኑ ከኣ ኣይስበርን ኢዩ  ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ ኢዩ ከምኡ ክብል ዝተራእየ፣፣መሊሱ ዲያብሎስ ንዘረብኡ መራብሒ ወይ ድማ መራጎዲ ዝኾኖ፣ “ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ መገድኻ ክሕልዉኻ  እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ’ውን በእዳዎም ከልዕሉኻ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ክብል እዩ ተዛሪቡ(ማቴ፬፡፭-፮/4፣5-6, ሉቃ፬፡፱-፲፩/4፣9-11,መዝ፺፡፲፩-፲፪/90፣11-12) ብድሕርዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  “ንእግዚኣብሔር  ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ(ማቴ፬፡፯/4፣7, ሉቃ፬፡፲፪/4፣12, ዘዳ፮፡፲፮/6፣16)።

3. ብድሕር’ዚ ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ  ወሰዶ፣ መንግስታት ኩሉ ዓለምን ኩሉ  ንብረቱን ድማ ኣርኣዮ፦

ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ሓደ ነገር ኣሎ ንሱ ከኣ ዲያብሎስ ድኣ ንባዕሉ መሰሎ እምበር ንጎይታስ ኩሉ ተለዊጡ መሲሉ ኣይረኣዮን፣፣

ሰይጣን ደፋር ስለ ዝኾነ “ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ  ኢድ’ውን እንተ ነሲእካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ” በሎ፣፣ ድሕር’ዚ እቲ ሓያል ኣምላኽ ከምዚ እንዳ በለ ተዛረቦ፣ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ ንዕኡ ንበይኑ  ድማ  ኣምልኽ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ እሞ ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ” በሎ፣፣

ሰይጣን “እንተ ሰገድካለይ”  ስለ ዝበሎ “ኪድ ካባይ ርሓቕ” በሎ “ደድሕረይ ካብ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ንምባል’ውን እዩ “ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ” ዝበለ፣፣

ኣብዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና፣ ወንጌላወያን ድማ ዝጸሓፍዎ፣  “ወሰዶ፣ ወሰዶ”  ዝብል ቃል ሰይጣን ሓሳቡ ንምርኣይ  ስለዝኾነ እዩ እምበር እቲ  ንኹሉ ዘቕውም ሓያል ኣምላኽ  ተገዲዱ ኣይኮነን፣፣

ሰለስተ ኣርእስተ ሓጣውእ  ዝበሃሉ እምበኣር ፣

1.     ስስዐ፣ ዘይተዋህበካ ምድላይ ኢዩ።

2.   ትዕቢት፣  ኣምላኽነት ምድላይ ኢዩ።    

3.    ፍቕሪ ገንዘብ፣ ይኣኽለኒ ዘይምባል ኢዩ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ሰለስተ ኣርስተ ሓጣውእ ተፈቲኑ ንጸላኢና ዲያብሎስ ስዒሩልና ኢዩ፣፣

ሀ. መነኮሳት ዝደለይዎ ስለ ዘይረኸቡ፣ ጸሮም(ስምዒት ) ስስዐ ኢዩ፣፣ ኣብ ገዳም (በረኻ )፣ ዲያብሎስ ብስስዕቲ እንተመጸ ብትዕግስቲ  ስዒርሎም ኢዩ፣፣

. ካህናት ኣእምሮና ዓሚቊ ረቂቕ፣ ማዕርግና ልዑል ምጡቕ’ዩ ብምባል ስለ ዝዕበዩ ጸሮም ትዕቢት ኢዩ፣፣ ኣብ ቤተ መቕደስ ብትዕቢት እንተፈተኖ ብሕትና  ስዒርሎም ኢዩ፣፣

ሐ. ነገስታት ጸሮም ፍቕሪ ገንዘብን ስልጣንን ኢዩ፣፣ ስለ ዝኾነ ኣብ እምባ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ስዒርሎም ኢዩ፣፣ ድሕሪ’ዚ ሓጢኣት ካብ ስሩ ከም ዝተማሕወት ኦም ገነት ኮነት  “እዛ ምትላል እዚ’ኣ  ንኣዳም ናብ  መሬት ከም ዝምለስ ዝገበረቶ ኢያ፣ ናብ ኣምላኽ ናብቲ ንኹሉ  ወሃቢ ሲሳይ ምስ በጽሐ ግና ሰይጣን ሓፊሩን ተሳዒሩን ተመልሰ ይብል ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ ሃይ.ኣበው 85፣35።

4.   ድሕሪዚ ዲያብሎስ ሓደጎ

ሉቃስ ወንጌላዊ ግና “ሽዑ ዲያብሎስ ፈተንኡ ዘበለ ምስ ወድኤ ንጊዜኡ ሓደጎ” (ሉቃ፬፡፲፫/4፣13)ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፣፣ እዚ  ማለቱ ዳሕራይ ኣብ ልቢ ይሁዳን ኣይሁድን ሓዲሩ ክሳዕ ዘስቅሎ ንጊዜኡ ሓደጎ በለ፣፣

5. እንሆ ድማ መላእክቲ መጺኦም ኣገልገልዎ

ነዚ ቃል እዚ ዝረኣየን ዘንበበን ሰብ፡ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ’ዶ ኣይኮነን፣ ቅድሚኡ’ኸ መላእኽቲ ኣየገልግልዎን ድዮም ነይሮም ክብል ይኽእል ይኸውን፣፣ እዚ ግን እቶም ፍጡራቱ ዝኾኑ ቅዱሳን መላኽቱ ቅድሚኡ ዘይገልግልዎ ነይሮም ዘይኮነስ፣ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ምባሉ

1.     “ሓይሊ ምስጋና ይግባኣካ እዩ” ክብሉ እዮም እምበር ኣይገልግልዎን ነይሮም ዘስምዕ ኣይኮነን፣፣

2.    በቲ ሓደ ወገን ከኣ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ማለቱ ዲያብሎስ ምስ መላእኽቱ ኮይኑ ስዒሩኒ እምበር ኣይምሰዓረንን ንኸይብል እዩ፣፣

ምሳሌ ሓደ ዓቢይ ንጉስን ንእሽቶ ንጉስን

 ሓደ ዓቢይን ንእሽቶ ንጉስን ንዂናት ተሰለፉ፣፣ እቲ ዓቢይ ንጉስ ነቲ ካብኡ ዝትሕት ንኡስ  ንጉስ “ህዝቢ ካብ ዝሓልቕ ንሓድሕድና ንግጠም” በሎ እሞ ገጠሙ፣፣ ዓቢይ ንጉስ ነቲ ንእሽተይ ንጉስ ሰዓሮ፣፣ ኩሉ ንብረቱ እውን ማረኾ፣፣ ድሕሪ’ዚ ዓቢይ ንጉስ ስዒሩ ክምለስ ከሎ፣ ሰራዊቱ ብሓጎስን ብዕልልታን ተቐበልዎ ይብል ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ሃይ. ኣበውምዕ 55፣13፣፣ ስለዚ ክርስቶስ በይኑ ንዲያብሎስ ስለ ዝሰዓሮ እንሆ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ በለ፣፣

3.    ንስኻትኩም’ውን ብትዕግስቲ እንተሰዓርኩም መላእኽቲ ክግለጽልኩም እዮም ንምባል ንኣብነት እዩ፣፡

 

ታሪኽ፣ ሓደ ባሕታዊ ካብ በዓቱ ከይወጽእ መብጽዓ ነበሮ፣፣ ኣብ በዓቱ ኪነብር ከሎ ሰይጣን መጺኡ ንጉስ ይጽውዓካ ኣሎ በሎ” ንሱ ድማ ብዘይካ ጎይታይ ኢየሱስ  ክርስቶስ ንጉስ የብለይን” በሎ እሞ እቲ ሰይጣን  ኣብ ዓለም ተቐሚጥካስ ንጉስ የብለይን ትብል ኢሉ ብዝሓዞ በትሪ ቀጥቂጥዎ ከደ፣ብድሕር’ዚ መልኣከ ዑቃቤ፣ ሓላዊ መልኣኽ ተገልጸሉ እሞ መን ኢኻ በሎ፣፣ ንሱ ድማ ኣነ ሓላዊኻ መልኣኽ ኢየ፣ ክሳዕ ሕጂ ድኣ ኣበይ ኔርካ እንተበሎ፣ ሕጂ እውን ስለዝተዓገስካ ኢየ ዝተገለጽኩልካ በሎ፣፣

 ጾመ ሕርቃል

ጾም ግዜኡን ንውሓቱን ይፈላለ እምበር እግዚኣብሔር ዝሰርዓልና ቅዱሳን ኣቦታት እንዳ ፈጸምዎን እንዳ ኣርኣዩናን ዝሓለፉን ዘለዉን፣ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ መግለጺ ንሓጢኣትና መደምሲ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጻርርትና ዝኾነ ዲያብሎስ ድማ ዓወት እንረኽበሉ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣጽዋር ኣምላኽ ኢዩ፣፣ እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድስት ቤተክርስቲያን፣ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ክንጸሞሎም ዘሎና ግዚያት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እትሕብረና፣፣ ሓደ ካብቲ ብኣዋጅ ዝንገረና ቀዳማይ ሰሙን ናይ ጾም ኣርብዓ ዝኾነ ድማ ጾመ ሕርቃል ኢልና እንጾሞ ጾም ኢዩ፣፣ ናይ ውልቂ ኮነ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና፣ ቤተክርስቲያን እትምህረናን ኩሎም ንኽንጸድቕ ኢልና ኢና እንጸሞም፣፣ እዚ ጾመ ሕርቃል ድማ ኲኖ መንፈሳዊ ጸጋን ጽድቅን፣ ከምቲ ሰባት ካብ ዘይምስትውዓል ዝብልዎ፣ “ንጉስ ዝጾሞ እዩ” እንዳ ተባህለ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ዘይኮነስ ብስጋን ብነፍስን ዘርብሓናን ቤተክርስቲያን እትእዝዞን ምዃኑ ፈሊጥና ብፍጹም ትሕትና ክንጸውም፣ ብጾም ዝርከብ ጸጋ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውን ሃረር ክንብል ይግባኣና፣፣ እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምስትውዓሉ ይዓድለና ኣሜን፣፣

ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከምዝሕብረና፣ ቅዱስ መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ብጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድ ንልዕሊ 200ዓመታት ዝኸውን ተቐቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፣፣ እንተኾነ “ቤተ ክርስቲያን ይተዓጾ ቤት ጣዖታት ይከፈቱ” ዝብል ዝነበረ ናይ ዓላውያን ነገስታት ኣዋጅ ሓሊፉ፣ ብኣንጻሩ “ቤት ጣዖታት ይተዓጸዉ፣ ቤተ ክርስቲያን ይከፈቱ” ዝብል ኣዋጅ ዝሓዘ ሰላማዊ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ መጸ፣፣ በዚ ግዜ እዚ ኢዩ ከኣ እቲ ንብዙሕ ግዜ ተቐቢሩ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ብመርሒነት ንግስቲ ኢሌኒ ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ተዃዒቱ ዝወጸ፣፣ ብድሕሪዚ ግን መቐጸልታ ናይቲ ብዙሕ ግዜ ንኢዮሩሳሌም እንዳ ወረሩ ዘዕንውዋ ዝነበሩ ነገስታት ፋርስ፣ ከም ልማዶም፣ ከስሮኤስ ዝተባህለ ንጉስ ፋርስ ንግብጺ ወሪሩ ክምለስ ከሎ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣትዮ ብዙሕ ሃብትን ንብረትን፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባትን ማሪኹ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ከደ፣፣ ምስቲ ማሪኽዎ ዝኸደ ብሩርን ወርቅን ከኣ ነቲ ቅዱስ መስቀል ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ ዝፈርስ ኣፍሪሱ ዝስበር ሰቢሩ፣ ሒዝዎ ከደ፣፣ ብናጽነት ክነብሩ ዝጸንሑ ህዝቢ ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን፣ ቅዱስ መስቀል፣ ኣቐዲሙ ካብ ዝተቕበሮ ብምውጽኡ ክሕጎሱ እኳ እንተጸንሑ፣መጠን እቲ ዝተሓጎስዎ ድማ ኣዝዮም ጓሃዩ፣፣ ቅዱስ መስቀል ኣብ ፋርሳውያን ብምውዳቑ ድማ ልቦም ብጓሂ መልአ፣፣ ድቃስ ኣበዮም ኣምሪሮም ከኣ ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ጸለዩ፣፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ እዩ ከኣ ንንጉስ ሕርቃል ዘነቓቅሖ፣፣ ንጉስ ሕርቃል፣ መስቀል ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ ንኹሎም ክርስቲያን መልእኽቲ ልኢኹ ብጸሎት ክሕግዝዎ፣ ጾም ኣወጀ፣፣ ነቲ ቅዱስ መስቀል ካብ ምርኮ ንምምላስ ከኣ ሱባኤ ኣተወ፣፣ ንእግዚኣብሔር ብጾምን ጸሎትን ተማዕቊቡ ድማ መገዱ ናብ ፋርስ ጀመረ፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ተዋጊኡ ካብ ጸላእቶም ዘናገፎምን ዓወት ዝሃቦምን ንንጉስ ሕርቃል እውን ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ዓወት ሃቦ ብሰላም ካብ ኲናት ተመለሰ ‘ነቲ ቅዱስ መስቀል ከኣ ካብቲ ተማሪኽሉ ዝነበረ ስፍራ መለሶ፣፣

ሎሚ ኣብ ቤተርክርስቲያን ዝጽወም ጾም እምበኣር ንንጉስ ሕርቃል ዓወት ዝሃበ፣ ንጸረ መስቀል ዝኾኑ ሰባት ዝሰዓረሉ፣ ሎሚ’ውን እቶም ኩሉ ግዜ ጸረ መስቀል ኮይኖም ንጥፍኣትና ዝጽዕቱ ዘለዉ ኣጋንንቲ ካብ ዙርያና ከርሕቐልና፣ ሓይሊ ክህበና ኢልና ንእግዚኣብሔር እንዳ ለመንና እንጾሞ ጾም ኢዩ፣፣ ስለዚ ንቕዱሳን ኣቦታት ብጸሞም ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ዝሃቦም ንዓና’ውን ናይ ኩሉ ጸጋ በዓል ቤት ዝኾነ እግዚኣብሔር ጸጋ ክህበና፣ ኣብ እምነትና ከጽንዓና ኣሰር እቶም ዝሓለፉ ናይ እምነት ኣቦታት ስዒብና ተኻፈልቲ ናይ ጾም እዚ ክንከውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን፣፣ኣሜን!!!

ብኻልእ መገዲ ድማ እዘን ምስ ኣርብዓ ጾም ሓቢረን ዝጽወማ 15 መዓልታት ድምር ናይዘን ኣብ ኣርብዓ ጾም ዘለዋ ቀዳምን ሰንበትን እየን፣፣ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓቢይ ጾም ሸውዓተ ቀዳምን ሸመንተ ሰንበትን ኣለዋ፣፣ ቤተክርስቲያን ቅዳሴ ሰሪዓ ክሳዕ ናይ ምሸት(ሰርክ)እትጾመን 40መዓልታት ኢየን፣፣ እዚ ስለዝኾነ ከኣ ነዘን ኣርብዓ መዓልታት ንኽመልኣ ነተን 15 መዓልታት ናይ ቀዳምን ሰንበት ክውሰኻ ዝገበረት፣፣

(መወከሲ፣ ትርጉም ኣንድምታ ወንጌል ብትግርኛካብ ገጽ 48-52 ዝተወስደ ጽሑፍ)

 

ሰናብቲ ዓቢይ ጾም

ኣብ ውሽጢ እዘን 55 ናይ ጾም መዓልታት ብጠቕላላ 8 ሰናብቲ ኣለዋ፣፣ ንሳተን ከኣ ነናተን ኣስማት ዝሓዛ ኮይነን እዘን ዝስዕባ እየን፣

1.  ቀዳመይቲ ሰንበት- ዘወረደ

2.  ካልኣይቲሰንበት – ቅድስት 

3.  ሣልሰይቲሰንበት – ምኵራብ 

4.  ራብዓይቲሰንበት – መጻጉዕ 

5.  ሓሙሸይቲሰንበት – ደብረዘይቲ (ፍርቂጾም

6.  ሻዱሸይቲሰንበት – ገብርኄር 

7.  ሻብዓይቲሰንበት – ኒቆዲሞስ 

8.  ሻሙነይቲሰንበት – ሆሳዕና ይበሃሉ። 

 

 

 

ቀዳመይቲ ሰንበት

ዘወረደ

ካብተን ሸመንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኢያ፣፣ ዘወረደ ማለት ስሙ ከም ዝሕብሮ ዝወረደ ዝብል ትርጉም ኣለዎ፣፣ በዚ ዕለት እዚ ኣካላዊ ቃል፣ እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ልዑል መንበሩ (ካብ ልዕልንኡ) ምውራዱን ስጋ  ምልባሱን፣ ሰብ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀራንዮ ኣደባባይ ስለ ፍቕርና፣ ስለ ድሕነትና ክብል ምማቱን ምትንስኡን ምዕራጉን ብእዝነ ልቦና እንዝክረሉ መዓልቲ ኢዩ፣፣ ነዚ ኣምልኪቱ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሓንስ፣ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ዝተዘራረቦ  ቃል ጽሒፉ ኣሎ፣ “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ እውን ዘሎ ወዲ ሰብ(ወልደ እጓለ እመ ሕያው ክርስቶስ)ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የለን”ይብል(ዮሓ፭፡፫-፮/5፣3-6)፣፣  ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣካላዊ ቃል ኢዩ፣፣ “ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ”  ምባሉ ድማ ናይ ሰብ ባህርን ኣካልን ተዋሃሂዱን ለቢሱን፣ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለ ዝኾነ ኢዩ(ዮሓ ፮፡፷፪/6፣62,  ማቴ ፫፡፲፯/3፣17, ፲፯፡፭-፳፬/17፣5-24, ራእ ፪፡፰/2፣8,ማር ፲፬፡፷-፷፪/14፣60-62) “ዚኣሁ ለስጋ ኮነ ለቃል ወእንቲኣሁ ለቃለ ኮነ ለስጋ” ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ!!!

                          ናይ ዕለቱ ኣርእስቲ መዝሙር

ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር

ንባባት

እብ 13፣7-17

ያዕ 4፣6-መፈ

                                  ግ.ሓዋ 25፣13-መፈ

                                    ዮሓ 3፣10-25

                  ምስባኽ

             ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር በፍርሃት፣ ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ

     ኣጽንዕዋ ለጥበብ ከመኢይተመዐድ እግዚኣብሔር

ትርጉሙ-ንእግዚኣብሔር ብፍርሃት ተገዝእዎ

                 ብረዓድ ድማ ተሓጎሱ ጎይታ መታን ከይቁጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ

ንእግዚኣብሔር ኣገልግልዎ ብረዓድ ከኣ ስገድሉ ክብል ከሎ ከምቲ ኣቦና ኣዳም ድሕሪ ምብዳሉ ዝፈርሆ ፍርሃት፣ ዝተሰምዖ ራዕዲ ኣይኮነን(ዘፍ ፫፡፯-፲/3፣7-10) እንታይ ድኣ እንተተባህለ፣ ከምቲ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ቅድሚ ሕጊ ምፍራሶም፣ በደል ምፍጻሞም፣ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ኣኽብሮትን ፍርሓትን ክኸውን ከሎ ኢዩ፣፣ እዚ ከኣ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪን ኣኽብሮትን መግለጺ ኢዩ፣፣ ነዚ ኢዩ ከኣ ጥበበኛ ሰሎሞን “ቀዳመይቲ ጥበብ ንእግዚኣብሔር ምፍራህ ኢዩ”(ምሳሌ ፱፡፲/9፣10) እንዳ በለ ዝጸሓፈ፣፣ ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ “እግዚኣብሔር ነቲ ንዕኡ ዝፈርህ ሰብ፣ በታ ንሱ ዝሓረያ  መገዲ ክኸይድ ይመርሖ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ(መዝ ፳፭፡፩/25፣1)። ንእግዚኣብሔር ምፍራሕን ብራዕዲ ምግልጋልን እምበኣር ዝወዓለልና ውዕለት ከይዘንጋዕና፣ ብቕዱስ ቃሉ ኣሚና፣ ንትእዛዛቱ እንዳ ተግበርና፣ ካብ ርኽሰትን  ሓጢኣትን ተፈሊና ምስ እንነብር ኢዩ፣፣ እንተዘይኮነስ  ውጽኢት ዘይምፍራሕ ሞት ኢዩ ዘስዕብ፣፣  ኣቦና ኣዳም ነታ ቐዳመይቲ ኣካይድኡ ስለዝገደፋ ኢዩ ካብ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጎይታ፣ ገነት ዝኣክል ቦታ  ናብዚ ምድሪ ዝተሰጎገ፣፣ ስለዚ እምበኣር ብሕጊ እግዚኣብሔር ተማእዘንቲ ንትእዛዛቱ ፈጸምቲ  ክገብረና እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን፣፣ ኣሜን!!

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!!

ይቕጽል……………………………

 

 

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s